እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19: ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ ዝያዳ ናይ መጥባሕቲ ኣገልግሎታት ክወሃብ'ዩ።

እዚ ናይ ለካቲት 16 እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ 19 ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ።

Victorian Premier Daniel Andrews speaks to the media during a press conference in Melbourne, Wednesday, February 16, 2022. (AAP Image/James Ross) NO ARCHIVING

Victorian Premier Daniel Andrews. Source: AAP Image/James Ross

  • ተወሰኽቲ ኣገልግሎት ናይ መጥባሕቲታት ካብ ሰኑይ 21 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ መልበርንን ዞባ ቪክቶርያን ክካየድ እዩ ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን 100% ዓቕሚ ዳግመ-ምስራሕ ክግበር እዩ ፡ እዚ ዝኸውን ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 እንተቐኒሶም እዩ ።
    ሚኒስተር ጥዕና ቪክቶሪያ ማርቲን ፎለይ ፡ "እቲ ኣብ ሆስፒታል ብኮቪድ ዝድቅሱ ብዝሒ በብግዜኡ እናንቈልቈለ ምስ ከደ ፡ ኩነታት ሰራሕተኛታት እውን እናተመሓየሹ ምስ ከዱ ፡ ነቲ ዝተረፈ ቀይድታት ከነወግዶ ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ኢና ዘለና" ኢሉ ።
    ሎሚ ንግሆ ፕሪሜር ቪክቶርያ ዲክቶር ዳንኤል ኣንድሪውስ "እዚ ኩሉ ሕግታት ተገምጊሙ እዩ: ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ገለ ኣወንታዊ ምልክታታት ከውጽእ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ" ኢሉ ።
    ኣብ ህጻናት ኲንስላንድ መልከፍቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፡ ሚንስተር ጥዕና የቨት ዲኣክት ግን "ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ይመሓደራ ኣለዋ" ዉሸባን ቀይዲ ምዕጻውን ኣድላዪ ኣይኮነን ኢላ።
    ናይ ኲንስላንድ ሓላፊ ጥዕና ጆን ጀራርድ "ክታበት ንገጽ እዚ ሕማም ምሉእ ብምሉእ እዩ ቀዪርዎ" በለ ።

ኣሃዛት ኮቪድ-19 ኣብ ግዝኣታት ኣውስትራሊያ

ኒው ሳውዝ ዌልስ 1,478 ናይ ኮቪድ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም 92 ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ሞት ናይ 27: ብኮቪድ-19 ሓደስቲ ሕሙማት ድማ 10,463 ።

ኣብ ቪክቶሪያ 397 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ ፡ 68 ኣብ ICU ፡ 13 ድማ ብ መተንፈሲ ሓገዝ ኣለዉ። ሎሚ ፡ 18 ሰባት ሞይቶም ፡ 8,149 ድማ ሓደስቲ መልከፍቲ ተጸብጺቡ ።

ኣብ ኲንስላንድ 6,596 ሓደስቲ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙን 12 ዝሞቱን ኣለዉ ። ኣብ ናይ ህዝቢ ሆስፒታል ስርዓት ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ 404 ሕሙማት ኣለው ፤ ብዘይካ ኣብ ናይ ግሊ ሆስፒታላት 28 ተሓከምቲ ፤ ብድምር 38 ሕሙማት ኣብ ጽዑቕ ሕክምና ይርከቡ ።

ታዝማኒያ 625 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት መዝጊባ ኣላ ። 13 ሰባት ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታል ኣለዉ ፡ ክልተ ካብኦም ድማ ኣብ ICU ።

ኣብ 'ዚ እዋን' ዚ ንለበዳ ኮቪድ-19 ብቋንቋኻ ሓበሬታ ንምርካብን ዝውሰድ ስጉምትታት ንፍላጥነ ኣብዚ ጠውቕ ።

 here.

A number of states have set up RAT registration forms

Quarantine and restrictions state by state

Travel

Information for international travellers and Covid-19 and travel information in language

Financial help

There are changes to the COVID-19 Disaster Payment once states reach 70 and 80 per cent fully vaccinated:  Getting help during Covid-19 from Services Australia in language


 


 

 



Visit the translated resources published by NSW Multicultural Health Communication Service


Testing clinics in each state and territory

NSW 
ACT 

Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19: ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ ዝያዳ ናይ መጥባሕቲ ኣገልግሎታት ክወሃብ'ዩ። | SBS Tigrinya