እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19፡ ኒው ሳውዝ ዌልስን ቪክቶርያን ዝለዓሉ ቁጽርታት ዕለታዊ መልከፍትታት ኣብ'ዚ ለበዳ ደልታ ይምዝግባ

እዚ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ እዋናዊ ሓበሬታ ዕለት 22 ሓምለ 2021 እዩ።

Cleaners are seen at work inside of the Prahran Market in Melbourne, Thursday, July 22, 2021.

Prahran Market is undergoing a deep clean after it was revealed a customer, who tested positive for COVID-19, visited on July 17 between 9.40am and 11.15am. Source: AAP Image/James Ross

  • ፕሪምየር ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክውስኹ'ዮም ኢላ ተጠንቅቕ።
  • ፍሉጥ ዕዳጋ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ውሽጢ ከተማ መልበርን ዝኾነ ፕራን ማርኬት ደረጃ-1 ንኮቪድ-19 ዝተቓልዐ ተባሂሉ ተኣዊጁ።
  • ኣብ ከተማ ኣደላይድ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን 71 ዝተቓልዑ ቦታታት ኣለው።
  • ኣብ ታዝመንያ ሓደ ኣብ ኣርባዓታት ዕድመ ዝርከብ ሰብ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኣስትራዘነካ ድሕሪ ምውሳዱ ዓሪፉ።

ኒው ሳውዝ ዌልስ

ኒው ሳውዝ ዌልስ 124 ሓደስቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተረኽቡ መልከፍታት መዝጊባ፡ እቶም 87 ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እናሃለው ንኻልእ ክለኽፉ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ኔሮም። 30 መልከፍትታት ከኣ ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ፈይርፊልድ ተረኺቦም።

ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ፡ ኣብ ካንተርበሪ-ባንክስታውን ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ጥዕናን መእለዪ ኣረጋውያንን ንስራሕ ኢሎም ካብ'ቲ ዝነብርሉ ከባቢ ክወጹ እንተኾይኖም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልታት መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ኣለዎም።

መልከፍትታት ዝርከቡሎም ቦታታት ኣብ ዝርዝር ኣስማት ወይ ካርታ ኣብ'ዚ (locations of the cases) ርኸብዎም። እዚ ናይ ሕጂ መዕጸውቲ ወይ ቀይድታት ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 11:59 ድ. ቀ. ዓርቢ 30 ሓምለ ክናዋሕ'ዩ።

ቪክቶርያ

ቪክቶርያ 26 ሓደስቲ መልከፍትታት ኣብ ማሕበረሰብ መዝጊባ፣ እዚ ዝለዓለ ዕለታዊ ድምር ኣብ'ዚ ዓመት'ዩ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ ድምር ንጡፋት መልከፍትታት'ታ ግዝኣት 146 እዩ።

ገለ 18000 ቀዳሞት ብቐረባ ዝተራኸቡ ሰባት ኣብ መላእ'ታ ግዝኣት ነብሰ-ምግላል ይገብሩ'ለው፣ ቁጽሪ ናይ'ቶም ንኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ቦታታት ናብ ልዕሊ 380 ወሲኹ'ሎ።

መልከፍትታት ዝርከቡሎም ቦታታት ኣብ ዝርዝር ኣስማት ወይ ካርታ ኣብ'ዚ (locations of the cases) ርኸብዎም። እዚ ናይ ሕጂ መዕጸውቲ ወይ ቀይድታት ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 11:59 ድ. ቀ. ሰሉስ 27 ሓምለ ክናዋሕ'ዩ።

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዙርያ ኣውስትራልያ

  • ሳውዝ ኣውስትራልያ ክልተ ሓደስቲ መልከፍትታት መዝጊባ፡ ንድምር መልከፍቲ ናይ'ታ ግዝኣት ኣብ'ዚ ለበዳ ናብ 14 ክብ ኣቢልዎ።
  • ኲንስላንድ ዶባታት ንዝተረፈ ክፋል ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ ክትዓጽዎ'ያ።
  • ሓደ ኣብ 40ታት ዝርከብ ታዝመንያዊ ሰብኣይ፡ ዝተረጋገጸ ጸገም ጥዕና ትሮምቦሳይቶፐንያ ሲንድሮም ዘለዎ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኣስትራዘነካ ምስ ተወግአ ዓሪፉ።

ዒድ ኣል ኣድሓ (ዝሕረደሉ በዓል) ዓርቢ 23 ሓምለ ይውዳእ። ኣብ ግዜ ምጽላይን ምስጋድን ንዓኹምን ንኻልኦትን ብኸም'ዚ ክትከላኸሉ ትኽእሉ ኢኹም፡

  • ኣብ ገዛ ብምስጋድ/ብምጽላይ
  • ዓበይቲ ምትእኽኻባት ብምስራዝ
  • መሸፈኒ ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ብምግባር
  • ናይ በይንኹም ስጋደት ብምጥቃል

ውሸባ፡ መገሻ/ጉዕዞ፡ መርመራ ዝካየደሎም ክሊኒካትን ኣብ ግዜ ለበዳ ዝወሃብ ናይ ሓገዝ ክፍሊትን

ኣድላይነታት ውሸባን መርመራን ብመንግስታት ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ይመሓደሩን ይትግበሩን።

ኒው ሳውዝ ዌልስ (NSW) Travel & transport and Quarantine
ቪክቶርያ (VIC) Travel permitOverseas travellers and Quarantine
ኤሲቲ (ACT) Transport and Quarantine
ኤንቲ (NT) Travel and Quarantine
ኲንስላንድ (QLD) Travel and Quarantine
ሳውዝ ኣውስትራልያ (SA) Travel and Quarantine
ታዝመንያ (TAS) Travel and Quarantine
ወስተርን ኣውስትራልያ (WA) Travel and Quarantine

ናብ ስግር ባሕሪ/ካልኦት ሃገራት ክትገሹ እንተደሊኹም፡ ሕድገት ክግበረልኩም ኣብ ኦንላይን ከተምልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ካብ ኣውስትራልያ ክትወጹሎም ትኽእሉ ኩነታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ'ዚ ጠውቑ። ብቐጻሊ ብመንግስቲ ዝግምገሙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ Smart Traveller ዝሕደሱን ግዝያዊ መምርሒታትን ስጉምቲታትን ንኣህጉራውያን በረራታት ኣለው።


ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝቐርቡ ዜናታትን ሓበሬታታትን ኣብ sbs.com.au/coronavirus


ዝተተርጎሙ ትሕዝቶታት ብዝሐባህላዊ ኣገልግሎት ርክባት ጥዕና ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ'ዚ ርኸብዎም፡

Appointment Reminder Tool (ቆጸራ መዘኻኸሪ መሳርሒ)


መመርመሪ ክሊኒካት ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን

NSW (ኒው ሳውዝ ዌልስ)

Victoria (ቪክቶርያ)

Queensland (ኲንስላንድ)

South Australia (ሳውዝ ኣውስትራልያ)

ACT (ኤሲቲ)

Western Australia (ወስተርን ኣውስትራልያ)

Tasmania (ታዝመንያ)

Northern Territory (ኖርዘርን ተሪተሪ)


ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ለበዳ ዝወሃብ ክፍሊት ሓገዝ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ዶባዊ ምምሕዳርን፡

NSW (ኒው ሳውዝ ዌልስ)

Victoria ቪክቶርያ

Queensland (ኲንስላንድ)

South Australia (ሳውዝ ኣውስትራልያ)

ACT (ኤሲቲ)

Western Australia (ወስተርን ኣውስትራልያ)

Northern Territory (ኖርዘርን ተሪተሪ)

 

 

 

 

 

 

 


Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service