እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ፡ NSW ኣብ ሃንተርቫሊ ዕጽዋ ኣዊጃ

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ን ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ን 5 ነሓሰ 2021 እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Newcastle residents are tested at a drive through collection centre in Adamstown, Newcastle,

Newcastle residents are tested at a drive through collection centre in Adamstown, Newcastle, Thursday, August 5, 2021. Source: AAP Image/Darren Pateman

ዞባ ሃንተር ቫሊ ካብ ሰዓት 5 ድ.ቐ ጀሚሩ ናብ ዕጽዋ ይኣቱ
ኩሎም ሓደሽቲ መልከፍቲ ኣብ ብሪዝቤን እተኣሳሰሩዮም
ቪክቶሪያ ምስጢራዊ መልከፍቲን ረኽስን ሓድሽ ኵነታትን መዝጊባ
ቀዳማይ ሚኒስተር ተወሳኺ ፋይዘር ክታበት ኮቪድ-19 ዶዝ ን ኒው ሳውዝ ወልድ


ኒው ሳውዝ ዌልስ
ካብ ውሽጢ 262 ሓደሽቲ መልከፍቲን ሓሙሽተ ዝሞቱ ሰባትን ኣብ NSW መዝጊባ ኣላ ። እቶም ኣርባዕተ ዝሞቱ ሰባት ክታበት ኣይረኸቡን ፡ እቲ ሓምሻይ ሰብ ድማ ናይ ኣስትራዘነካ ኮቪድ-19 ክታበት ተዋሂብዎ ነይሩ ።

ንኒውካስል ፡ ሌክ ማኴርይ ፡ መትላንድ ፡ ፖርት ስቴፕልስ ፡ ሲንግቶ ፡ ዱንጎግ ፡ ሙስወልብሩክን ከስኖክን ካብ ሰዓት 5 ድ.ቐ ክሳብ ዕለት 13 ናይ ወርሒ ነሓሰ ሓድሽ ቀይድታት ክተኣታቶ እዩ ።

ዋና ናይ ጥዕና ሓላፊት ዶ/ር ኬሪ ቻንት ካብ ኣርማዲለን ዱቦብን ዝመጹ ሰባት ኣብ ስርዓተ መርበብ ፈሳሲ ርስሓት መጠን ቫይረስ ስለዝወሰኸ መርመራ ክገብሩ ተማሕጺና።

ሰበስልጣን NSW ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክታበት ንኽረክብ ይልምኑ ። ብዛዕባ ክታበት ዝወሃቦ ኣብዚ ርኸብ  list of vaccination clinics.

ኲንስላንድ
ኲንስላንድ 16 ሓድሽ ጕዳያት መልከፍቲ ረኺባ ኣላ ፣ እዚ ከኣ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ክላስተር ዝተሓሓዝ እዩ ።

ምክትል ፕሪመር ስቲቨን ሚለስ ከም ዝገለጾ ፡ ኣብ ብሪዝቤን ካብ ዘጋጠመ ፀገማት እቶም 12 ምሉእ ብምሉእ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዙ እዮም ። 79 ንጡፋት ሰባት ብምህላዎም ፡ እቲ ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኣወጀ ምዕጻው ዝምልከት መጻኢ እንታይ ከምዝውሰን ገና ኣይተፈልጠን ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብዝሓለፉ ን24 ሰዓታት
ቪክቶርያ ፡ ሽዱሽተ ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ኣብ ማሕበረሰብ ተላባዒ ሕማም እናሃለዎም ክነሶም ኣብ መልበርን ዝነብሩ ከምዝጸንሑ ሓንቲ መምህር ክጥቀስ ይከኣል ። እቲ ጉዳያ ኣብ መርመራ ኣሎ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ኣብ ሰሙን ናይ 16 ነሓሰ ናይ ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ተወሳኺ 180,000 ዶስ NSWከም ትቕበል ኣረጋጊጹ

ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ  Smart Traveller .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


NSW 
ACT 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

NSW 
ACT 

Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ፡ NSW ኣብ ሃንተርቫሊ ዕጽዋ ኣዊጃ | SBS Tigrinya