- ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ናይ መጀመርያ ናይ ክታበት ዶዝ ኣብ NSW ተዋሂቡ።
- ኣብ ቪክቶሪያ ተወሳኺ ናይ ክታበት ምዝገባ
- ኣብ ACT ክልተ ፡ ኣብ QLD ድማ ዜሮ ሓደስቲ መልከፍቲ ተረኺቡ።
- ሎሚ ምሸት ሓደ ሚልዮን ዶስ ተወሳኺ ፋይዘር ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትው እዩ።
ኒው ሳውዝ ወልስ
415 ሓደሽቲ መልከፍቲን ኣርባዕተ ሞትትን ኣብ NSW ተመዝጊቡ። እንተ ወሓደ 35 ሰባት ምስመልከፍቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑ'ዮም ።
እቶም ዝለዓለ ቑጽሪ ሓደሽቲ ጉዳያት ዘለዎም ከባቢታት ብላክታውን: ከረን ድሪት: መሪዮን: ሜሪላንድ: ኦርባንን ጊልድፎርድን እዮም ።
ፕሪሜር ግላዲስ በረጂክልያን ከምዝገለጸቶም እቲ ግዝኣት 50 ሚእታዊ ብኸፊል ዝኽተብ እኹል ሰብ በጺሕሉ ዘሎ እዋን ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ፡ ዝኽተቡ ሰባት ገለ ናጽነት ክረኽቡ "ዕድላት" መንግስቲ ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጻ ።
ቪክቶርያ
ቪክቶርያ 25 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ምስቲ ፍሉጥ ለብዒ እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ዓሰርተ ሰለስተ መልከፍቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስመልከፍቶም ዝጸንሑ እዮም።
ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ፡ ሎሚ ኣብ ወብ ሳይት ናይ መንግስቲ ፡ 84,000 ዝኽተቡ ክምዝገቡ ከም ዝርከብ ሓቢሩ ኣሎ ።
ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
- ኲንስላንድ ካብ ዉሽጢ መልከፍቲ ኣይተረኽበን ፡ ተወሳኺ ፖሊስ ናብ ዶብ NSW ኣዋፊራ ትርከብ።
ACT ፡ ካብ ውሽጢ እተረኽበ ክልተ ሓደስቲ ሰባት ከም እተለኽፉን ፡ ካብኡ እቲ ሓደ ምንጩ ምስጢር እዩ ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 'ቲ ድሮ ኣውስትራሊያ ተወዓዒላቶ ዘላ 40 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ፡ ተወሳኺ ሓደ ሚልዮን ዶስ ናይ ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ኣውሒሱ ኣሎ ።
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ Smart Traveller .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት sbs.com.au/coronavirus
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : NSW, Victoria, Queensland, Western Australia, South Australia, Northern Territory, ACT, Tasmania.
- Cብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብቛንቋኹም ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ: