- ኣብ NSW ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ልዑል ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ረቛሒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ።ኣብ ቪክቶርያ ፡ ቀይድታት ብቐሊሉ ክትግበር ዝከኣል እኳ እንተ ኰነ ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ኣሎ ።ናይ ደቡብ ኣውስትራሊያ ዕጽዋ ከምዘኽተመ ኣረጋጊጻ ።ኲንስላንድ ድሕሪ እቲ ናይ ሲድኒ ዕጽዋ ኣወንታዊ ጒዳይ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ እያ ዘላ ።
New South Wales
N
ሳውዝ ኣውስትራሊያ ናይ ከባቢ 145 ሓደስቲ እተቐመጡ ጕዳያት መዝጊባ ኣላ ። ኣብ ፌርፊልድ ከኣ ቍጽሪ እመልከፍቲ እናጎደለ ከይዱ። ኮሚሽነር ፖሊስ ሚክ ፉለር ኣብ እዋን ዕጽዋ ኣብ ሲድኒ ተቓውሞ ክገብር ንዝሓስብ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ።
ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ፋርማሲታት ፡ ክታበት ኣስትራዘነካ ንልዕሊ 60 ዓመቶም ክህቡ ከምዝኽእሉ ፡ ናይ NSW ሓላፊ ጥዕና ዶክተር ኬሪ ቻንት ፡ ገሊጻ፡ ሕጽረት ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ከምዘሎ ዘጕልሕ እዩ ።
ዶክተር ቻንት ኩሉ ማሕበረሰብ ክታበት ንክረክብ ትምሕጸን ። ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ርኸብ።
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ 11 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ። ኵሉ መልከፍቲ ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ደልታ ተራእዩ ዝነበረ ዓይነት ቫይረስ ዝተሓሓዝ ኰይኑ ፡ እቲ ናይዞም ዝተረኽቡ መልከፍቲ ግን ኣብ ውሸባ ዝጸንሑ እዩ ነይሩ ። ጠቕላላ ብዝሒ ንጡፋት መልከፍቲ 190 በጺሑ ኣሎ።
እቲ ሓምሻይ ዕጽዋ ሰሉስ 27 ሓምለ ሰዓት 11: 59 ድ.ቐ. እዩ ዘብቅዕ: እንተዀነ ግን ሰበ-ስልጣን "ክሳዕ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተወድአን" ይብሉ ።
ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
- ኣብ መላእ ደቡባዊ ምብራቕ ኲንስላንድ ማስክ ምውዳይ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ lዝርዝ ዝተቓልዑ ከባቢታት ኣብዚ ርኸብ
- ደቡብ ኣውስትራሊያ ብረቡዕ 12: 01 ቅድሚ ቀትሪ ናይ ዕጽዋ እገዳታት ንምልዓል ትዳሎ ኣላ ፡ እንተኾነ ገለ ሕግታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሑ እዮም ።ብመሰረት ናይ ፌደራል ሓለዋ ጥዕና ክፍሊ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ 2117 ንጡፋት ኮቪድ-19 ኣለው ።
ቤላ ቤሎ ብዛዕባ ኮቪድ-19:
ጥዑያት መንእሰያት ብኮቪድ-19 ኣይጥቅዑን ። ንዝኣረጉ ወይ ንዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝጎድእን ዝቐትልን ።
ሓቅታት ኮቪድ-19:
እቲ ቫይረስ ንኣረጋውያን ሰባትን ነቶም መሰረታዊ ፀገማት ዘለዎምን ብዝያዳ ዝጸልዎም እኳ እንተዀነ: ንገለ ጥዑያት መንእሰያት እውን ይሃስዮምን ይቐትሎምን እዩ ።
ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
NSW Travel & transport and Quarantine
VIC Travel permit, Overseas travellers and Quarantine
ACT Transport and Quarantine
NT Travel and Quarantine
QLD Travel and Quarantine
SA Travel and Quarantine
TAS Travel and Quarantine
WA Travel and Quarantine
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ Smart Traveller .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት sbs.com.au/coronavirus
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : NSW, Victoria, Queensland, Western Australia, South Australia, Northern Territory, ACT, Tasmania.
- Cብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብቛንቋኹም ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
COVID-19 Vaccination Glossary
Appointment Reminder Tool.
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

