እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ: ኣብ NSW መልከፍቲ ልዕሊ 1000, ንዝተኸትቡ ተወሳኺ ነጻነት ምውጻእ ተኣዊጁ

እዚ ናይ 26 ነሓሰ 2021 እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ናይ ኣውስትራሊያ እዩ።

Members of the public wear face masks as they exercise in Sydney, Thursday, August 26, 2021.

Members of the public wear face masks as they exercise in Sydney, Thursday, August 26, 2021. Source: AAP Image/Bianca De March

  • ኣብ ዞባዊ NSW ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ 10 መስከረም ተናዊሑ

  • ቪክቶርያ 25,000 ዝኣክል ናይ ፋይዘር ዶስ ትቕበል

  • ናይ ንግዲ ደገፍ ኣብ ACT ይኽፈት

  • ኲንስላንድ ኣብ ጥቓ ቶዎምባ ናይ ውሸባ ማእከል ክትሃንጽ እያ


ኒው ሳውዝ ወልስ

Nsw ኣ 1,029 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት መዝጊባ ኣላ ፡ እዚ ድማ እንተወሓደ 37 ኣብቲ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተታሒዞም እናሃለዉ ዝጸንሑ እዮም ። ሰለስተ ዘይተኸተቡ ሰባት ሞይቶም ።

ፕሪመር ግላዲስ በረጂክሊያን ካብ 13 መስከረም ጀሚሮም ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ነበርቲ ዝለዓለ ናጽነት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጣ::

ካብ ናይ ከባቢያዊ ምምሕዳር ከባቢታት ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ፡ ኣብ ግዳም ክእከቡ ይኽእሉ ።

ክታበት ንኽትክተቡ vኣብዚ ተኸተቡ

ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ 80 ሓደስቲ ናይ ከባቢ እተለኽፉ ሰባት መዝጊባ ኣላ ፣ 41 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከለዉ ኣብቲ ማሕበረሰብ እተረኽቡ እዩም ።

ኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ኣስትራዘነካ ቆጸራ ዘለዎም ሰባት ሕጂ ብቐጥታ ነቲ ናይ ፋይዘር ኮቪድ-19 ክታበት ክቕበሉ ይኽእሉ። 25,000 ዶስ ዝኣክል ፋይዘር ናብ ቪክቶርያ ከም ዝበጽሐ ኣዛዚ ኮቪድ ጀረን ቫይማር ኣፍሊጡ።

ግዝኣት ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ
ኣብ ACT 14 ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቦም ፡ ጠቕላላ ናይ ንጡፋት መልከፍቲ ናብ 190 ክብ ኣቢሎሞ ኣለዉ ።

ካንቤራ በቲ ዕጽዋ ዝተጸልወ ናይ ንግዲ ትካላት ኣብዚ እዋን 'ዚ ክሕግዝ ይኽእል  aኣብዚ ብምምካት  ን ኣስራሕቲ ኩባኒያታት ክሳብ  $10,000 ንሰራሕተኛታት ዘየስርሑ ሰብ ቢዝነስ ድማ  $4,000 ይቕበሉ

ናይ Cኮቪድ-19 ክታበት ዝምልከተኩም እንተኾይኑ ኣብዚ ተመልከቱ  

ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
  • ኲንስላንድ ኣብ ጥቓ ቶዎምባ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዌልካም ናይ ዞባ ውሸባ ህንጻ ንምስራሕ መዲባ ።

  • ኣብዚ እዋን "ዚ ኩሎም ኣብ ክሊ ኖርዘርን ተሪቶሪ ዝርከቡ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ናይ ፋይዘር ክታበት ኮቪድ-19 ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ።


ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን

ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:


ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ።  ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ  Smart Traveller .


ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:


ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:


NSW 
ACT 

ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

NSW 
ACT 
This story is also available in other languages.
SHOW LANGUAGES 


FollowTigrinya on Social



Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service