- NSW still has a large number of infectious people in community.
- Majority of new cases in Queensland are children.
- Victoria records two new cases.
- South Australia eases some COVID-19 restrictions.
New South Wales
Nsw ሎሚ 207 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፡ እዚ ድማ እንተወሓደ 50 ኣብ ዉሽጢ ማሕበረ-ሰብ እቲ መልከፍቲ እናሃለዎም እዮም ጸኒሖም። ሓደ ኣብ ተስዓታት ዕድሚኡ ሓደ ናይ ኣስትራዘነካ ኮቪድ-19 ክታበት እተኸትበ ሰብኣይ ኣብ ሆስፒታል ሊቨርፑል ዓሪፉ።
ክሳብ 300 ንዝኾኑ ናይ ኣውስትራሊያ ምክልኻል ሓይሊታት "ናይ ምግቢ ምዕዳል ኣብ ምቕራብ ፣ ማዕጾ እናዃሕኾሐ ድሕነት ሰባት ምርግጋጽን ኣብ ምምራሕን ናይ ጥርዓን ምርመራ ኣብ ምግባርን" ን ሾሞንተ ናይ ከባቢያዊ ምምሕዳራት . ንናይ NSW ፖሊስ ይሕግዝ ኣሎ ።
ናይ NSW ፕሪሜር ግላድይ በርጂክሊን ህዝቢ ብቕልጡ ክኽተብ ጸዊዓ. ኣብ ከባቢኹም ንምኽታብ ኣብዚ ዝርዝር ናይ ክታበት ክሊኒካት ክትረኽቡ ኢኹም.
ኲንስላንድ
ኲንስላንድ 13 ሓደስቲ መብዛሕትኦም ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እተለኽፉ መዝጊባ ኣላ ። ኩሎም መልከፍቲ ምስቲ ዝጸንሐ ክላስተር ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም ጠቕላላ ንጡፋት ጉዳያት 31 እዮም ።
ትሬዠረር ካሜሩን ዲክ $260 million ንሰብ ቢስነስ ኲንስላንድ ናይ ደገፍ ባጀት ከምዝመደበ ገሊጹ እዚ ሓገዝ ብፍላይ ነቶም ነኣሽቱን ማእከሎት ቢዝነሳትን ዝምልከት እዩ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ሰንበት 8 ነሓሰ ተናዊሑ ኣሎ ፡ ኣብ ብሪዝቤን ፡ ጎልድ ኮስት ፡ ኢፕስዊች ፡ ሎከርዊ ቫሊ ፡ ሎጋን ፡ ሞርቶን በይ ፡ ኖዛ ፡ ሬድላንድ ፡ ሰኒክ ሪም፡ ሶመርሰትን ሱንሻይንን ይርከብ ።
እቶም ነዚ ቫይረስ ተቓሊዖም ዘለዉ ከባቢታት ኣብዚ ዝርዝር ክጸንሓኩምዩ
ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
- ቪክቶርያ ፡ ካብ ናይ ውሽጢ ሓድሽ ለበዳን ረኽስን እተተሓሓዘ ናይ ክልተ ሓደስቲ ሰባት መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ።
- ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ናይ ኣስገዳድ ምውዳይ ማስክ ቀጺሉ ኣሎ ፤ ስፖርት ንውድድር ምስ ገለ ቅድመ ኩነታት ምስከም ብዝሒ ተዓዘብቲ ብዝተኣሳሰረ ዳግም ይጅምር ኣሎ።
ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
NSW Travel & transport and Quarantine
VIC Travel permit, Overseas travellers and Quarantine
ACT Transport and Quarantine
NT Travel and Quarantine
QLD Travel and Quarantine
SA Travel and Quarantine
TAS Travel and Quarantine
WA Travel and Quarantine
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ Smart Traveller .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት sbs.com.au/coronavirus
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : NSW, Victoria, Queensland, Western Australia, South Australia, Northern Territory, ACT, Tasmania.
- Cብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብቛንቋኹም ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
COVID-19 Vaccination Glossary
Appointment Reminder Tool.
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝ ኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:

