እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ቪክቶርያ ካብ ዕጽዋ ከይትወጽእ መሰናኽል ገጢምዋ፣ ኲንስላንድ ዳግም ናብ ዕጽዋ

ናይ 30 መስከረም እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራሊያ

People are seen exercising along Southbank in Melbourne, Thursday, September 30, 2021.

People are seen exercising along Southbank in Melbourne, Thursday, September 30, 2021. Source: AAP Image/Daniel Pockett

  • ቪክቶሪያ ቀዳማይ ክታበት ልዕሊ 80 ሚኢታዊ በጺሑ

  • NSW ካብቲ እተመደቦ ሓደ ሰሙን ቀዲሙ ቤት-ትምህርቲ ምኽፋት

  • ACT ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ቀይድታት ተፋኹስ

  • ኲንስላንድ ፡ ሽዱሽተ ሓደስቲ መልከፍቲ ተረኺቡ


ቪክቶሪያ

ቪክቶርያ ፡ ካብ ውሽጢ 1,438 ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ ፣ ካብዚኣቶም ልዕሊ 500 ዝዀኑ ሰባት ምስቲ ኣብዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝነበረ ምትእኽኻብ ግራንድ ፋይናል ዘጠቓልል እዩ ። ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም ።
ኣዛዚ ኮቪድ-19 ቪክቶርያ ጀሮን ወይማር፡ ነቲ ሎሚ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ ኵነታት እታ ግዝ ኣት ንምኽፋት መዲባቶ ዝነበረት ንድሕሪት ዝመልስ'ዩ ኢሉ።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ከምዝበሎ ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ዶዝ ክታበት ፋይዘር ዘሎ ጋግ ካብ ሽድሽተ ናብ ሰለስተ ሰሙናት ክጎድል 'ዩ ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ለውጢ ዝድግፍ እኹል ቀረብ ክታበት ካብ ዝመጽእ ወርሒ ክህልዎ' ዩ ።

ኒው ሳውዝ ወልስ

ኣብ NSW 941 ሓደሽቲ መልከፍቲን ሽዱሽተ ዝሞቱ ሰባትን መዝጊባ ኣላ ።

ፕሪመር ግላዲስ በረጂክሊያን ኣብ መዋእለ ህጻናት ዝመሃሩ ህጻናት ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ተመሃሮን ካብ 18 ጥቅምቲ ጀሚሮም ናብ ክፍሊ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጻ ፡ እዚ ቅድሚ ሰሙን ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ።

ኩሎም ካልኦት ተማሃሮ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ሰሙናት ማለት ኣብ 25 ጥቅምትን 1 ሕዳርን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ እዮም ።

ACT

ሎሚ ኣብቲ ክሊ 31 ሓደስቲ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ ።

ካብ ዓርቢ 1 ጥቅምቲ ሰዓት 12: 01 ቅ.ቀ. እተወሰነ ቀይድታት ክቕየር እዩ ፣ ናይ መዘናግዒ ግዜ ኣብ ግዳም ክናዋሕ ፡ ሃገራውያን ፓርክታት እንደገና ይኸፍቱ ፡ ንገሊኡ ናይ ሸቐጥ ትካላትን ካልእን ዝኸውን ተወሳኺ ኣበል ይረኽቡ ።

ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ነበርቲ ክታበት ፋይዘር ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ።

ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ክፋላት ኣውስትራሊያ

  • ከባብያዊ ምምሕዳር ከባቢታት ብሪዝቤን ፡ ጎልድ ኮስት ፡ ሎጋን ፡ ሞርቶን ባይ ፡ ታውንስቪልን ደሴት ፓልምን ፡ ካብ ሓሙስ 30 መስከረም 2021 ጀሚሩ ናይ ደረጃ 2 እገዳታት ተኣታትዩ።
    ፈደራላዊ መንግስቲ ነቶም ካብ ስርሖም ዝተባረሩ ሰራሕተኛታት ናይ ኮቪድ-19 ናይ ሓደጋ ገንዘብ ፡ ከምኡ 'ውን ናይ ንግዲ ሓገዝ ክፍሊት ሓንሳብ 80 ካብ ሚእቲ ካብ ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ምስተኸትበ ደው ክብል እዩ ።



Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ቪክቶርያ ካብ ዕጽዋ ከይትወጽእ መሰናኽል ገጢምዋ፣ ኲንስላንድ ዳግም ናብ ዕጽዋ | SBS Tigrinya