ኮቪድ-19 እዋናዊ ሓበሬታ: ኣውስትራልያ ዝለዓለ ቁጽሪ ምውታት ኣብ መዓልቲ ኣብ ዘመዝገበትሉ ቪክቶርያ መጠንቀቕታ ሕብሪ ንሆስፒታላታ ቀይራ

እዚ ናይ ጥሪ 18፡ 2022 እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ እዩ።

Paramedics are seen tending to their ambulance outside St Vincent hospital in Melbourne.

Paramedics are seen tending to their ambulance outside St Vincent hospital in Melbourne. Source: AAP

  • ዝለዓለ ክብረወሰን ኣብ መዓልታዊ መዝገባት ሞት ለበዳ ኣውስትራልያ ዝኾነ 74 መወትቲ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ናብ ሎሚ ዘውግሕ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ቪክቶርያን ኲንስላንድን ተመዝጊቦም።
  • ቪክቶርያ ማዕበል ኦሚክሮን ኣገልግሎታት ጥዕና ኣብ ምጽላው ይቕጽለሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ መላእ ሆስፒታላት መጠንቀቕታ ህጹጽ ኩነታት 'ኮድ ብራውን' ኣዊጃ።
  • ምክትል ፕሪምየር ቪክቶርያ ጀይምስ መርሊኖ ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕናና ዝኸፍአ ሕጽረታት ዓቕሚሰብ ነመቓርሓሉ ነጥቢ ኢና በጺሕና ዘለና ኢሉ።
  • እዚ ኣዋጅ ወይ መምርሒ ኣብ ሽዱሽተ ዞባዊ ሆስፒታላት'ውን ዝትግበር ኮይኑ ገለ ሰራሕተኛታት ወይ ኣባላት ሆስፒታል ካብ ዕረፍቶም ክጽውዑ ይኽእሉን ኣገዳሲ ዘይኮነ ክንክን ከኣ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ይኽእል።
  • ኒው ሳውዝ ዌልስ 29 830 ሓደስቲ መልከፍታት - ዝበዝሑ ብመንገዲ መመርመሪ ፒሲኣር ዝተመዝገቡ - ጸብጺባ፡ ኣብ ርእሲ'ዚ 2 850 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክህልዉ እንከለዉ 209 ካብኦም ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ኣይሲዩ) ይርከቡ።
  • ጋዜጣ ዘ ሲድኒ ሞርኒንግ ሄራልድ ከምዝጸብጸበቶ ናይ'ታ ግዝኣት 1.2 ሚልዮን ተመሃሮ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምላስ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝዓለመ እማመ፡ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን መርመራ ራፒድ ኣንቲጀን ቴስት (ኣርኤቲ) ክገብሩ'ዮም።
  • ኣብ ታዝመንያ፡ ካብ ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ተጓዓዝቲ/ገያሾ እቲ ጉዕዞኦም/መገሽኦም ክምዝግብዎ ወይ ከኣ ቅድሚ መገሽኦም መርመራ ኮቪድ ክገብሩ ኣይክሕተቱን'ዮም፡ እንተኾነ ግን እዞም መምርሒታት ነቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ኣይቅየሩን'ዮም።
  • ኣብ ኲንስላንድ ሰብ መዚ ጥዕና ብምኽንያት'ዚ ህሉው ኩነታት ከደናግይዎ ድሕሪ ምውሳኖም ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ክልተ ሰሙን ዶንግዩ ክጅመር'ዩ።
  • ኲንስላንድ 16 ዝመቱ ሰባት ኣብ ዝመዝገበትሉ ኣብ ዙርያ መሳለጥያታት ጥዕና ተኽእሎ ምስፍሕፋሕ ናይ'ቲ ቫይረስ ንምቕናስ ሚኒስተር ጥዕና ይቨት ዳ'ት ኣብ መምርሒታት በጻሕቲ ናብ ሆስፒታላት ምቅይያራት ከምዝተገብሩ ኣፍሊጣ።
  • ሕብረት ኤውሮጳ ብምኽንያት ምውሳኽ ቁጽሪ መልከፍትታት ንዘይተኸትቡ ገየሽቲ ካብ ኣውስትራልያ፡ ኣርጀንቲናን ካናዳን መምርሒታት መገሻ ኮቪድ-19 ከትርሮ'ዩ።
ብዙሓት ግዝኣታት ንመርመራ ራፒድ ኣንቲጀን ቴስት (ራት) ዝኸውን መመዝገቢ ቅጥዒ ኣዳልየን ኣለዋ። 

ኣሃዛት ኮቪድ-19፡

ኒው ሳውዝ ዌልስ 29 830 ሓደስቲ መልከፍታትን 36 ዝመቱን መዝጊባ፡ ቪክቶርያ ከኣ 20 180 ሓደስቲ መልከፍታትን 22 ዝመቱን መዝጊባ።

ኲንስላንድ 15 962 መልከፍታትን 16 ዝመቱን፡ ታዝመንያ ኸኣ 1 310 መልከፍታት መዝጊበን።

ከም ግብረመልሲ ንለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ'ዚ እዋን ዝትግበሩ ዘለዉ መምርሒታትን ስጉምትታትን ንምምልካት ኣብ'ዚ ብጽሑ።

ውሸባን ቀይድታት በብግዝኣቱ

መገሻ ወይ ጉዕዞ

ሓበሬታ ንናይ ደገ ገየሽቲ/ተጓዓዝቲን ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19ን መገሻን ከኣ ብቛንቋኹም

ፋይናንሳዊ ሓገዝ

ግዝኣታት ሓንሳብ 70ን 80ን ሚእታዊታት መጠን ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ሰባት ምስ በጽሓ ኣብ ክፍሊታት ጸገም ብሰንኪ ኮቪድ-19 (ኮቪድ-19 ዲዛስተር ፐይመንት) ምቅይያራት ኣለው፡ ኣብ ግዜ ኮቪድ-19 ካብ ሰርቪስስ ኣውስትራልያ ሓገዝ ክትረኽቡ ብቛንቋታት
ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዶብን ዝርከቡ መመርመሪ መደበራት ጥዕና (ክሊኒካት) ንምርካብ ሓደ ካብ'ዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ጠውቑ


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኮቪድ-19 እዋናዊ ሓበሬታ: ኣውስትራልያ ዝለዓለ ቁጽሪ ምውታት ኣብ መዓልቲ ኣብ ዘመዝገበትሉ ቪክቶርያ መጠንቀቕታ ሕብሪ ንሆስፒታላታ ቀይራ | SBS Tigrinya