እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ:ፖሊስ ቪክቶሪያ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ኣሲሩ, NSW ናይ ምግላል ግዜ ይጎድል

እዚ ናይ 3 ጥቅምቲ እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ።

Polisi wamkamata mwandamanaji MELBOURNE

Polisi wa Victoria wamkamata mwandamanaji karibu ya Royal Botanic Gardens, kwenye maandamano dhidi ya chanjo mjini Melbourne, Jumamosi, Oktoba 2, 2021. Source: AAP Image

  • ቪክቶርያ 1,220 ናይ ውሽጢ መልከፍቲ ተረኺቡ።

  • ሰበስልጣን NSW ናይ ምትእኽኻብ ሕጊ ቅድሚ ጸወታ NRL ምጅማሩ ኽከታተሉ ይምሕጸኑ

  • ኣብ ACT 38 ሓድሽ መልከፍቲ ተረኺቡ።

  • ታዝማኒያ ሓደ መልከፍቲ።


ቪክቶሪያ
ቪክቶሪያ ናይ ዉሽጢ 1,220 ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ሰባትን ሰለስተ ሞትን መዝጊባ ኣላ ።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ እቲ ቀይድታት ንስርዓተ ክንክን ጥዕናን ሰብሞያ ጥዕናን ንምክልኻል ዝምልከት እዩ ኢሉ ። "ንዓና ናጽነት ማለት እንታይ ማለትዩ? ንስርዓተ ጥዕናና ዝኸበደ እዋን ክኸውን ማለት እዩ" ኢሉ።

ትማሊ ፖሊስ ኣብ መልበርን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸረ-ክታበት ሰልፊ ካብዝተሳተፉ 109 ሰባት ኣሲሮም ።

ኣብ ሮያል ሜልቦርን ሆስፒታል ሓላፊ ኣሃዱ ኣይ.ሲ.ዩ. ነርስ ሚሸል ስፓንስ ፡ ቪክቶርያ ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዛ ኣብ ኣይ.ሲ.ዩ 90 ሰባት ከም ዘለዉዋን ፡ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ከም ዘይተኸተበን ሓቢሩ ።

ኒው ሳውዝ ወልስ
NSW ካብ ውሽጢ 667 መልከፍቲ ሎሚ ተረኺቦም ፡ 10 ሰባት ድማ ሞይቶም ፡ ህዝቢ ግሬት ሲድኒ ክሳብ ሎሚ 100 መዓልታት ኣብ ዕጽዋ ጸኒሖም ።

ሚኒስተር ጥዕና ብራድ ሃዛርድ ንነበርቲ ካብቲ ናይ NRL ናይ መወዳእታ ዓቢ ጸወታ ኣቐዲሞም ክጥንቀቑ ተማሕጺንዎም ። "ኣብ ገዛኹም ሓደ ካብቲ ኣብ ምምሕልላፍ እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ እዩ።"

ካብ 11 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝኾነ ኣብ NSW ዝርከብ ፡ ምስ ብኮቪድ ዝተለኽፈ ብቐረባ ዝተራኸበን ምስዝኽተብን ፡ ኣብ ክንዲ 14 መዓልቲ ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ክምርመርን ርእሱ ክግልልን ተገይሩ።

ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ካልእ ክፋል ኣውስትራሊያ
  • ክልል ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ (ACT) 38 ናይ ውሽጢ ሓደሽቲ መልከፍቲ ተመዝጊቡ፡ ካብዚኣቶም እንተወሓደ 16 ኣብቲ ማሕበረሰብ ረኽሲ ከለዎም ዝጸንሑ እዮም። 

  • ኣብ ታዝማኒያ ዝነብር ሓደ መንእሰይ ካብ መልበርን ናብ ላንሰንስተን ድሕሪ ምብራሩ: ኮቪድ-19 ጽቡቕ መርመራ እወታዊ ውጽኢት ኣምጺኡ። 

  • ኲንስላንድ ሓዱሽ መልከፍቲ ኣይተረኸበን ። 

  • ደቡብ ኣውስትራሊያ ክልተ ሓደሽቲ መልከፍቲ ከምተረኽበ ትማሊ ኣጋ ምሸት ጸብጺባ ።

Stay home Safe Life - SBS Radio
Stay home Safe Life - SBS Radio Source: SBS Radio

Image

Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እዋናዊ ሓበሬታ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ:ፖሊስ ቪክቶሪያ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ኣሲሩ, NSW ናይ ምግላል ግዜ ይጎድል | SBS Tigrinya