እዋናዊ ሓበሬታ-19: ቪክቶሪያ ኣቐዲማ ዕጽዋ ክትፈትሖ'ያ፡ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ጉዕዞ ይጅምር።

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ናይ 17 ጥቅምቲ 2021 ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Brighton, St Kilda, Victoria

Brighton, St Kilda, Victoria Source: AAP/DANIEL POCKETT

  • ቪክቶርያ ንዝጸንሐ ዕጽዋ ኣቐድማ ተልዕሎ
  • NSW 80 ሚኢታዊ ድርብ ክታበት ትበጽሕ።
  • ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ዘሎ ናይ መገሻ ባብል ኣብዚ ሰሙን ይጅምር።
  • ንኮቪድ-19 መድሃኒት ብናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ይግዛእ።

Victoria

ቪክቶርያ ንዝጸንሐ ዕጽዋ ኣቐድማ ተልዕሎ

NSW 80 ሚኢታዊ ድርብ ክታበት ትበጽሕ።

ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ዘሎ ናይ መገሻ ባብል ኣብዚ ሰሙን ይጅምር።

ንኮቪድ-19 መድሃኒት ብናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ይግዛእ።

ቪክቶሪያ

ቪክቶርያ 1,838 ናይ ውሽጢ ብኮቪድ-19 እተታሕዙን ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ዝሞቱን መዝጊባ ኣላ ።

ኣብዚ እዋን እዚ 777 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣለዉ ፡ 151 ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ፡ 94 ድማ ኣብ መተንፈሲ ይርከቡ ።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ነቲ ምዕጻውካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ግዜ ኣቐዲሙ ከም ዘልዕሎ ኣፍሊጡ። እገዳታት ካብ ፍርቂ ለይቲ ኃሙስ 21 ጥቅምቲ ክለዓል እዩ ። እቲ ፕሪመር "ምልዓል ዕጽዋ: ካብ ገዛኻ ንኸይትወጽእ ዝኽልክል መምርሒ ክለዓልን ሰዓት እቶ እቶውን ኣይክህሉን እዩ" ኢሉ ።

89 ሚእታዊ ካብ 16ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ቪክቶሪያውያን ሓንሳብ ናይ ኮቪድ ክታበት ከምዝተኸትቡን ፤ 65.5 ሚኢታዊ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክታበት ከምዝረኽቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

 vኣብ ጥቓኹም ዘሎ ማእከል መኽተቢ ኣብዚ ርኸቡ.

ኒው ሳውዝ ወልስ

ኣብ NSW 301 ኣናይ ኮቪድ መልከፍቲ መዝጊባ ፡ 10 ድማ ሞይቶም ።

ፕሪሜር ዶሚኒክ ፐሮታይ ትማሊ NSW ነቲ 80 ሚኢታዊት ድርብ ናይ ክታበት ዕላማ ከምዝሃረመቶ እዚ ማለት ድማ ካብ ጽባሕ ዝያዳ እገዳታት ክለዓል እዩ ኢሉ።

እቲ ፕሪመር ናይ $130 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ከምዝገብር ኣፍሊጡ ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣእምሮ ብሮኒ ተይለር ፡ "ኣብ ኣውስትራልያ ርእሰ-ቕትለታዊ ምክልኻልን ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ን275,000 ሰባት ስልጠና ብምሃብ ንሕና ቀዳሞት ግዝ ኣት ኢና።

 ሎሚ ኣክታበትኩም ንምርካብ ኣብዚ ቆጸራ ሓዙ 

ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
  • ፈደራላዊ መንግስቲ ን15,000 ዩኒት ናይ ሮናፕሬቭ መድሃኒ ዓዲጉ።
  • ካብ ሰሉስ 19 ጥቅምቲ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ መንጎ NSWን ቪክቶሪያን ገለ ክፋል ናይ NZ ጉዕዞ ክኽፈት እዩ።
  • ACT 33 ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ ።
  • ታዝማኒያ ሓዱሽ መልከፍቲ ኣይመዝገበን
  • መንግስቲ ኲንስላንድ ነቲ ዶባት ዳግም ዝኸፍትሉ ዕለት ኣይወሰነን።


Share

2 min read

Published

By SBS/ALC Content

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now