እዋናዊ ሓበሬታ-19: ቪክቶሪያ ኣቐዲማ ዕጽዋ ክትፈትሖ'ያ፡ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ጉዕዞ ይጅምር።

እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ናይ 17 ጥቅምቲ 2021 ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እዋናዊ ሓበሬታ እዩ ።

Brighton, St Kilda, Victoria

Brighton, St Kilda, Victoria Source: AAP/DANIEL POCKETT

  • ቪክቶርያ ንዝጸንሐ ዕጽዋ ኣቐድማ ተልዕሎ

  • NSW 80 ሚኢታዊ ድርብ ክታበት ትበጽሕ።

  • ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ዘሎ ናይ መገሻ ባብል ኣብዚ ሰሙን ይጅምር።

  • ንኮቪድ-19 መድሃኒት ብናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ይግዛእ።


Victoria

ቪክቶርያ ንዝጸንሐ ዕጽዋ ኣቐድማ ተልዕሎ
NSW 80 ሚኢታዊ ድርብ ክታበት ትበጽሕ።
ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ዘሎ ናይ መገሻ ባብል ኣብዚ ሰሙን ይጅምር።
ንኮቪድ-19 መድሃኒት ብናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ይግዛእ።
ቪክቶሪያ

ቪክቶርያ 1,838 ናይ ውሽጢ ብኮቪድ-19 እተታሕዙን ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ዝሞቱን መዝጊባ ኣላ ።

ኣብዚ እዋን እዚ 777 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣለዉ ፡ 151 ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ፡ 94 ድማ ኣብ መተንፈሲ ይርከቡ ።

ፕሪሜር ዳንኤል ኣንድሪውስ ነቲ ምዕጻውካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ግዜ ኣቐዲሙ ከም ዘልዕሎ ኣፍሊጡ። እገዳታት ካብ ፍርቂ ለይቲ ኃሙስ 21 ጥቅምቲ ክለዓል እዩ ። እቲ ፕሪመር "ምልዓል ዕጽዋ: ካብ ገዛኻ ንኸይትወጽእ ዝኽልክል መምርሒ ክለዓልን ሰዓት እቶ እቶውን ኣይክህሉን እዩ" ኢሉ ።

89 ሚእታዊ ካብ 16ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ቪክቶሪያውያን ሓንሳብ ናይ ኮቪድ ክታበት ከምዝተኸትቡን ፤ 65.5 ሚኢታዊ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክታበት ከምዝረኽቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኒው ሳውዝ ወልስ
ኣብ NSW 301 ኣናይ ኮቪድ መልከፍቲ መዝጊባ ፡ 10 ድማ ሞይቶም ።

ፕሪሜር ዶሚኒክ ፐሮታይ ትማሊ NSW ነቲ 80 ሚኢታዊት ድርብ ናይ ክታበት ዕላማ ከምዝሃረመቶ እዚ ማለት ድማ ካብ ጽባሕ ዝያዳ እገዳታት ክለዓል እዩ ኢሉ።

እቲ ፕሪመር ናይ $130 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ከምዝገብር ኣፍሊጡ ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣእምሮ ብሮኒ ተይለር ፡ "ኣብ ኣውስትራልያ ርእሰ-ቕትለታዊ ምክልኻልን ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ን275,000 ሰባት ስልጠና ብምሃብ ንሕና ቀዳሞት ግዝ ኣት ኢና።

ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ
  • ፈደራላዊ መንግስቲ ን15,000 ዩኒት ናይ ሮናፕሬቭ መድሃኒ ዓዲጉ።

  • ካብ ሰሉስ 19 ጥቅምቲ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ መንጎ NSWን ቪክቶሪያን ገለ ክፋል ናይ NZ ጉዕዞ ክኽፈት እዩ።

  • ACT 33 ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ ።

  • ታዝማኒያ ሓዱሽ መልከፍቲ ኣይመዝገበን

  • መንግስቲ ኲንስላንድ ነቲ ዶባት ዳግም ዝኸፍትሉ ዕለት ኣይወሰነን።



Share

Published

By SBS/ALC Content
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service