ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ነበር ክረይግ ፎስተር ንሞት ፍልስጤማዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሱለይማን ኣል-ዑቤይድ ኣብ ቓዛ ተኸቲሉ ነቶም ኣብ ልዕሊ'ቲ ንኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ዘመሓድር ኣካል ዩኤፋ ዝቐርቡ ዘለዉ ነቐፌታታት ድምጹ ወሲኹሎም።
ኣብ ሓደ ሶኑይ ንግሆ ኣብ ኢንስታግራም ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ እዚ ናይ ቀደም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ ክረይግ ንዩኤፋ ፍልስጤማውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እናተቐትሉ "ኣብ ዝበለጹ ቤት መግብታት ይምገቡ" ክብል ከሲስዎም።
"ሱለይማን መግቢ ክልምን ክግደድ እንከሎ፡ ዳርጋ ብሙሉኦም ፍልስጤማውያን ተጻወቲ ሊግ ተቐቲሎም ኣለዉ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መድረኽ ጽሒፉ።
"ስፖርት ካብ ዝኾነ ጽንተተ ዓሌትን ኣፓርታይድን ዝፍጽም መንግስቲ ሕጋውነት ኣብ ምምንጣልን ምውሳድን ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ'ዩ፡ ነብሲ ወከፍ ናይ ሕጅን ናይ ቀደምን ተጻዋታይን ደጋፊን ክዛረብ ኣለዎ።"
"እታ ከባብ ኩዕሶ ንዓለምና ወይ ግሎብ'ያ ትውክል፡ ግጥም ወይ ጸወታ ናይ ህዝቢ'ዩ፡ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ድማ ሓደ ዓይነት መሰል ክካፈልን ክህልዎን ይግብኦ።"
ክረይግ ፎስተር ዩኤፋ፡ ነቲ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ጥቓ ሓደ ማእከል መዐደሊ ረዲኤት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ እናተጸበየ'ንከሎ ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሉ፡ ዝበሎ ተጻዋታይ ክብሪ ንምሃብ ኢሉ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ምንቃፍ ምስ በዓል ምስራዊ ኮኾብ መሓመድ ሳላሕ ተጸንቢሩ።
ቤተሰቡ ድማ ብደብዳብ ታንኪ ከምዝተቐትለ ሓቢሮምኒ ክብል መደበር ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ኣብ ሓደ ኣፈናዊ ውሳነኡ ኣብ'ቲ ኣብ ፈለማ 2024 ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጥርዓን ወይ ክሲ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ውዕል ጽንተተ ዓሌት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN Genocide Convention) ምጥሓሱ "ቅቡል ወይ ልዑል ተኽእሎ" ዘለዎ ኮይኑ ረኺብዎ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ብዩናይትድ ስቴትስ ተደጊፉ፡ ነቲ ክሲ ኣጥቢቑ ይኹንን፡ ንሓማስ ክስዕርን ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆታት ክመልሶምን ይቃለስ ኣለኹ ድማ ይብል።
ኣብ ሰነ 2024፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ጎበጣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጢማውያን ዶባትን ሰፈራታታትን ዘይሕጋዊያን'ዮም ኢሉ ወሲኑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክወጹ ኣለዎም ኢሉ። መራሕቲ እስራኤል እዞም ዶባት ኣብ ኣከራኸርቲ መሬታት ስለዝርከቡ ብሕጋዊ ኣገላልጻ ዝተጎብጡ ኣይኮኑን ክብሉ ይከራኸሩ።
ሱለይማን ኣል-ዑበይድ መን'ዩ ኔሩ፧
ኮኾብ ተጻዋታይ ሱለይማን ኣብ ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወቱ ልዕሊ 100 ሽቶታት ኣመዝጊቡ፡ 'ፔለ ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም' ዝብል ሳጓ ድማ ኣውሂብዎ - ነቲ ህቡብ ብራዚላዊ ኣጥቃዓይ ክብሪ ብምሃብ።
ብመሰረት ኣል ጃዚራ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ሱለይማን ኣብ'ቲ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም ትርከብ ጋንታ ማእከል መንእሰያት ኣል-ዓማሪኣል-ዓማሪ ቅድሚ ምጽንባሩ ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወቱ ኣብ ቓዛ ኣብ ትርከብ ጋንታጋንታ ኻዳማት ኣል-ሻቲ ጀሚሩ። ንሃገራዊት ጋንትኡ 24 ግዜ ተሰሊፉ፡ በታ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ የመን ኣብ ግጥማት ሻምፒዮና ፈደረሽን ኩዕሶእግሪ ምዕራብ ኤስያ 2010 ብተኣምራዊ ጥበብ ተገልቢጡ ቀሊዑ ዘመዝገባ ሽቶ ድማ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺቡ።
ሱለይማን በዓልቲ ቤቱን ሓሙሽተ ደቁን ገዲፉ'ዩ ካብ'ዛ ዓለም ተፈልዩ።
መሓመድ ሳላሕ ብወግዒ ይዛረብ
ድሕሪ ሞት ሱለይማን ዩኤፋ ኣብ መድረኽ X ንዝኽሩ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ፡ "ንማእለያ ዘይብሎም ቆልዑ፡ ኣብ'ቲ ዝጽልመተ ግዜ'ውን እንተኾነ፡ ተስፋ ዝሃበ ተውህቦ ዝነበሮ ሰብ።"
እዚ ጽሑፍ ግን "ብኸመይ፡ ኣበይን ንምንታይን መይቱ ክትነግሩና ትኽእሉ ዶ፧" ዝብል ተወሲኽዎ ብኮኾብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ደጊሙ ተዘርጊሑ።
ወዲ 33 ዓመት ሳላሕ ልዕሊ 19 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣብ X ኣለውዎ። እዛ ዝጠቀዓ ጽሕፍቲ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን "ላይክ" ክትረክብ'ንከላ ልዕሊ 100 ሚልዮን ግዜ ድማ ተራእያ።
ዩኤፋ ናይ'ታ ዝተጠቀዐት ጽሕፍቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን።
ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ሌፍተናንት ኮሎኔል ናዳቭ ሾሳይንሾሳይን ንሳላሕ መሊስሉ፡ "መሓመድ! ድሕሪ'ት ዘካየድናዮ ናይ ፈለማ መርመራ፡ ንሱለይማን ኣል-ዑበይድ ዝምልከት ዝኾነ መዝገብ ፍጻመ ኣይረኸብናን። ብቐረባ ክንከታተሎ ክንክእል መታን፡ ዝያዳ ዝርዝራት ሓበሬታ ከድልዩና'ዮም።"
ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ
ብመሰረት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም፡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ንንየው 662 ኣትሌታትን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ኣብ ቓዛ ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብ'ዚኦም 421 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበሩ'ዮም፡ 103 ካብኣቶም ድማ ህጻናት ኔሮም።
ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ ግንቦት 27፡ ልዕሊ 1,300 ፍልስጤማውያን ኣብ'ቶም ብማሕበር 'ጋዛ ህዩማኒታሪያን ፋውንዴሽን' ዝመሓደሩ መዐደሊ ነቑጣታት ረዲኤት ተቐቲሎም።