ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ (ዩኤፋ) ንክብሪ ኮኾብ ፍልስጤማዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዘውጽኦ መግለጺ ክረይግ ፎስተር ንመሓመድ ሳላሕ ተኸቲሉ ነቒፍዎ

እዞም ርእይቶታት ዝመጹ ዘለዉ ኮኾብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ንክብሪ ሱለይማን ኣል-ዑቤይድ ኢሉ ዩኤፋ ዘውጽኦ መግለጺ ምንቃፉ ተኸቲሎም'ዮም። ሱለይማን ሓደ ካብ'ቶም ካብ ጥቅምቲ 7 ንንየው ዝተቐትሉ 421 ፍልስጤማውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግርን ኣባላት ስድራቤታቶምን'ዩ።

A man in a black shirt sitting on a chair positioned on a stage with a bottle of water next to him.

Former Socceroo captain and human rights activist Craig Foster has criticised UEFA's response to the death of star Palestinian footballer Suleiman al-Obeid in Gaza. Source: AAP / Mick Tsikas

ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ነበር ክረይግ ፎስተር ንሞት ፍልስጤማዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሱለይማን ኣል-ዑቤይድ ኣብ ቓዛ ተኸቲሉ ነቶም ኣብ ልዕሊ'ቲ ንኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ዘመሓድር ኣካል ዩኤፋ ዝቐርቡ ዘለዉ ነቐፌታታት ድምጹ ወሲኹሎም።

ኣብ ሓደ ሶኑይ ንግሆ ኣብ ኢንስታግራም ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ እዚ ናይ ቀደም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ ክረይግ ንዩኤፋ ፍልስጤማውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እናተቐትሉ "ኣብ ዝበለጹ ቤት መግብታት ይምገቡ" ክብል ከሲስዎም።

"ሱለይማን መግቢ ክልምን ክግደድ እንከሎ፡ ዳርጋ ብሙሉኦም ፍልስጤማውያን ተጻወቲ ሊግ ተቐቲሎም ኣለዉ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መድረኽ ጽሒፉ።

"ስፖርት ካብ ዝኾነ ጽንተተ ዓሌትን ኣፓርታይድን ዝፍጽም መንግስቲ ሕጋውነት ኣብ ምምንጣልን ምውሳድን ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ'ዩ፡ ነብሲ ወከፍ ናይ ሕጅን ናይ ቀደምን ተጻዋታይን ደጋፊን ክዛረብ ኣለዎ።"
"እታ ከባብ ኩዕሶ ንዓለምና ወይ ግሎብ'ያ ትውክል፡ ግጥም ወይ ጸወታ ናይ ህዝቢ'ዩ፡ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ድማ ሓደ ዓይነት መሰል ክካፈልን ክህልዎን ይግብኦ።"

ክረይግ ፎስተር ዩኤፋ፡ ነቲ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ጥቓ ሓደ ማእከል መዐደሊ ረዲኤት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ እናተጸበየ'ንከሎ ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሉ፡ ዝበሎ ተጻዋታይ ክብሪ ንምሃብ ኢሉ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ምንቃፍ ምስ በዓል ምስራዊ ኮኾብ መሓመድ ሳላሕ ተጸንቢሩ።

ቤተሰቡ ድማ ብደብዳብ ታንኪ ከምዝተቐትለ ሓቢሮምኒ ክብል መደበር ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።


መንግስቲ እስራኤል፡ ብዩናይትድ ስቴትስ ተደጊፉ፡ ነቲ ክሲ ኣጥቢቑ ይኹንን፡ ንሓማስ ክስዕርን ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆታት ክመልሶምን ይቃለስ ኣለኹ ድማ ይብል።

ኣብ ሰነ 2024፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ጎበጣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጢማውያን ዶባትን ሰፈራታታትን ዘይሕጋዊያን'ዮም ኢሉ ወሲኑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክወጹ ኣለዎም ኢሉ። መራሕቲ እስራኤል እዞም ዶባት ኣብ ኣከራኸርቲ መሬታት ስለዝርከቡ ብሕጋዊ ኣገላልጻ ዝተጎብጡ ኣይኮኑን ክብሉ ይከራኸሩ።

ሱለይማን ኣል-ዑበይድ መን'ዩ ኔሩ፧

ኮኾብ ተጻዋታይ ሱለይማን ኣብ ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወቱ ልዕሊ 100 ሽቶታት ኣመዝጊቡ፡ 'ፔለ ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም' ዝብል ሳጓ ድማ ኣውሂብዎ - ነቲ ህቡብ ብራዚላዊ ኣጥቃዓይ ክብሪ ብምሃብ።

ብመሰረት ኣል ጃዚራ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ሱለይማን ኣብ'ቲ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም ትርከብ ጋንታ ማእከል መንእሰያት ኣል-ዓማሪኣል-ዓማሪ ቅድሚ ምጽንባሩ ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወቱ ኣብ ቓዛ ኣብ ትርከብ ጋንታጋንታ ኻዳማት ኣል-ሻቲ ጀሚሩ። ንሃገራዊት ጋንትኡ 24 ግዜ ተሰሊፉ፡ በታ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ የመን ኣብ ግጥማት ሻምፒዮና ፈደረሽን ኩዕሶእግሪ ምዕራብ ኤስያ 2010 ብተኣምራዊ ጥበብ ተገልቢጡ ቀሊዑ ዘመዝገባ ሽቶ ድማ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺቡ።
ሱለይማን በዓልቲ ቤቱን ሓሙሽተ ደቁን ገዲፉ'ዩ ካብ'ዛ ዓለም ተፈልዩ።

መሓመድ ሳላሕ ብወግዒ ይዛረብ

ድሕሪ ሞት ሱለይማን ዩኤፋ ኣብ መድረኽ X ንዝኽሩ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ፡ "ንማእለያ ዘይብሎም ቆልዑ፡ ኣብ'ቲ ዝጽልመተ ግዜ'ውን እንተኾነ፡ ተስፋ ዝሃበ ተውህቦ ዝነበሮ ሰብ።"

እዚ ጽሑፍ ግን "ብኸመይ፡ ኣበይን ንምንታይን መይቱ ክትነግሩና ትኽእሉ ዶ፧" ዝብል ተወሲኽዎ ብኮኾብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ደጊሙ ተዘርጊሑ።

ወዲ 33 ዓመት ሳላሕ ልዕሊ 19 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣብ X ኣለውዎ። እዛ ዝጠቀዓ ጽሕፍቲ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን "ላይክ" ክትረክብ'ንከላ ልዕሊ 100 ሚልዮን ግዜ ድማ ተራእያ።
ዩኤፋ ናይ'ታ ዝተጠቀዐት ጽሕፍቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን።

ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ሌፍተናንት ኮሎኔል ናዳቭ ሾሳይንሾሳይን ንሳላሕ መሊስሉ፡ "መሓመድ! ድሕሪ'ት ዘካየድናዮ ናይ ፈለማ መርመራ፡ ንሱለይማን ኣል-ዑበይድ ዝምልከት ዝኾነ መዝገብ ፍጻመ ኣይረኸብናን። ብቐረባ ክንከታተሎ ክንክእል መታን፡ ዝያዳ ዝርዝራት ሓበሬታ ከድልዩና'ዮም።"

ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ

ብመሰረት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፍልስጤም፡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ንንየው 662 ኣትሌታትን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ኣብ ቓዛ ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብ'ዚኦም 421 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበሩ'ዮም፡ 103 ካብኣቶም ድማ ህጻናት ኔሮም።

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ ግንቦት 27፡ ልዕሊ 1,300 ፍልስጤማውያን ኣብ'ቶም ብማሕበር 'ጋዛ ህዩማኒታሪያን ፋውንዴሽን' ዝመሓደሩ መዐደሊ ነቑጣታት ረዲኤት ተቐቲሎም።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

By Cheyne Anderson
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service