ትፈትዎ እንስሳኻ ሓደ መዓልቲ ከምዝመውትን ምስሞተ ምሕዛንን ርግጸኛ ነገር ክኸውን ዝግብኦ ነገር እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ። ዴል ፐርሰይን ግን ኸልቡ መንሽሮ ከም ዘለዋ ን ንኣዋርሕ ጥራይ ብህይወት ክትነብር ከምዝኾነት ምስፈለጠ: ነዚ ክቕበሎ ከም ዘይደለየ ምዃኑ ብርግጽ ነበረ ።
ዴል ንThe Feed ከምዝሓበሮ ፡ "ሓደ መዓልቲ ናብ ህይወት ኽመልሳ ኢለ ፡ ንኸልበይ ኣብሪደያ (ፍሪዝ ጌረያ)" ።
"ድሕሪ እዚ ኵሉ ብሓንሳብ ዝጸናሕናለን ዓመታት ፡ ነዚ ምርኣየይ ጸሊአዮ እየ ፡...ዳግማ ዕድል ከም ዝሃብካዮም ደጋጊምካ ኽትነግር ጥራይ እዩ ዘሎካ" በለ ።
ዴልን እቲ ን10 ዓመት ምስኡ ዝጸንሐት ነረን ዘይፈላለዩ እዮም ነይሮም ። ክልቲኦም ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ተጓዒዞም ፡ ናብ ናይ ሙዚቃ ፌስቲቫላትን ኣጋጣሚታትን ከይዶም ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ሓንቲ ፊልም ብሓባር ተዋሲኦም ። ነሪን ናብ ህይወቱ ቅድሚ ምምጻኣ ፡ ዴል ብዙሕ ግዜ ጽምዋ ይስምዖ ከም ዝነበረን ንኺድረኽ ይቃለስ ከም ዝነበረን ገለጸ ።
"ከልበይ ንኽወጽእን ንኽዛወርን ብንግሆኡ ጽግዕ ኢላ ክትንውንወኒ ምስጀመረት ህይወተይ ይበራበርን ዳግም ከም ዝቕጽልን እያ ትገብረኒ" በለ ።

ብ2016 ዴል ፡ ነሪን ብጽኑዕ ሓሚማ ከም ዘላ ምስ ፈለጠ ፡ ኣዝዩ ሓዘነ ። እቲ ቬት ፡ እቲ መንሽሮ ናብ ሳምቡእ ነረን ከም እተዘርግሐ ነገሮ ።
ዴል ፡ "ኣብ ኢደይ ሞይታ ክርኢ ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ እየ ፣ እዚ ግና ኣይደልን እየ ነይረ" በለ ።
ዳለ ዘለዎ ኣማራጺታት ኣብ ኢንተርነት ክፍትሽ ጀመረ ።
ኣብቲ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሬሳ ሰባትን ናይ ቤት እንስሳን ኣብ በረድ ዝዕቅበሉ ቦታ: ማለት ትካል ክሪዮኒክስ እቲ ዝዕቅብዎ ሬሳ ሓደ መዓልቲ ብህይወት ክትስእ ከምዝኽእል እቲ ትካል ዝገለጸ።
ብድሕርዚ ዳለ ምስ ነረን ናብ ኣመሪካ ተጓዕዘ ፡ ኣብኡ ድማ ኣካላታ ኣብ ዓሚቝ በረድ ንኽኣቱ $20,000 ዶላር ኣመሪካ (ዳርጋ 30,000 ኣውስትራሊያ ዶላር) ከፈለ ።
ዳለ ኣብ 2050 ምስ ዝፈትዋ ኸልቡ ክራኸብ ተስፋ ኣለዎ ።
ዴል ፡ "ቴክኖሎጂ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ስለ ዝመሓየሽ ፡ ብሓንሳእ [ንዝያዳ ተመክሮ]ክንራኸብ ንኽእል ኢና" በለ ።
ክራዮኒክስ (cryonics) እንታይ እዩ?
ክሪዮኒክስ ኣብ መጻኢ ኽትንስኡ ተስፋ ብምግባር ንኣካላት ኣብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ዝዕቅብ እዩ ።
ብክሪዮኒክስናይ ናይ ቤት እንስሳ ንምዕቃብ ፦
- እቲ እንስሳ ብቬት ከምዝመውት ተጌሩ ንኽዝሕል ኣብ በረድ ይቕመጥ
- ማይ ካብ ኣካላት ከምዝወጽእ ተጌሩ ፡ ከም ጸረ-ምዝሓል ብዚገብር ኬሚካል ድማ ይትካእ
- እቲ ኣካል ዝያዳ ይዝሕል እሞ ኣብ መትሓዚ ፈሳሲ ናይትሮጅን ይቕመጥ
- ኣብቲ መኽዘን ፡ ማለት ኣብ-200 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ይቕመጥ ።
ደገፍቲችርዮኒክስ ፡ ቴክኖሎጂ እናተመሓየሸ ምስ ከደ ፡ ናብ በረድ ተቐይሮም ዝጸንሑ ጥዑይን ሕማምን ዘይብሉን ሰብነት ፡ ሒዞም ናብ ህይወት ክምለስ ተስፋ ይገብሩ ።

ናይ ቤት እንስሳታት ናብ በረድ ተቐይሮም ድሕሪ ምጽናይ ዳግም ክትንስኡ ይኽእሉዶ?
እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ (ናይ ኣመሪካ ናይ ስነ ኣእምሮ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጀምስ ሂራም በድፎርድ) ኣብ1967 ብክሪዮኒካዊ ድሕሪ ምዕቃቡ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባትን እንስሳታትን እቲ መስርሕ ኣካይዶም እዮም ፣ ክሳዕ ሕጂ ግና ብህይወት ኣይተመልሱን ።
ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ክርዮኒክስ ዝሰርሕ እንተ ኰይኑ ይጠራጠሩ እዮም ።
ሳፍሮን ብርያንት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪሚት መጽናዕቲ ዘካይድ ተመራማሪ እዩ ፣ እዚ ስነ ፍልጠት ናይ ምዝሓል ስነ-ህይወታዊ መርመራ እዩ ።
ሳፍሮን ፡ "ኣብዚ ደረጃ እዚ ፡ ስነ ፍልጠት ንcryonics ኣይድግፎን እዩ ።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ናይ ሰውነት ዝተፈላለየ ኵነታት የድልዮም እዩ ፣ ንኣብነት ዝተፈላለዩ ናይ ምዝሓልን ሙቐትን ተኽእሎታት ።
ሳፍሮን ብተወሳኺ ብዛዕባ ክርዮኒካውያን ዘጨንቓ፡ እቲ ፈውሲ ናይ እንስሳ መርገም ምስተረኽበ ፡ ናብ ህይወት ክትመልሶም ከም እትኽእል ይዛረቡ እዮም ።
"ሓደ ሰብ ካብ ረኽሲ እንተ ሞይቱ ፡ ነቲ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምሃብ ፋይዳ የብሉን ። ኣይሕግዝን እዩ "በለት ።
ንናይ ቤት እንስሳኻ ንምብራድ (ፍሪዝ ምግባር) ክንደይ የውጽእ?

ኣብ ደቡባዊ ክሪዮኒክስ ንሰብ ናብ ቀዝሒ ንምእታው $150,000 ዶላር ዘኽፍል እዩ ።
"ከም ዝመስለኒ ድሙ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሽዱሽተ ኪሎ እያ: $10,000ዶላር እያ እትበጽሕ" በለ ።
ዴለ ንኸልቡ ንምዕቃብ ገንዘብ ድሕሪ ምውፋሩ ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ዓመታት እዩ ወሲዱሉ ።
ዴል ፡ "ንነረን ነዚ ምኽፋለይ ኣሐጒሱኒ እዩ ፣ ሕጂ እውን ኣየጣዕሰንን እዩ" በለ።
"እቲ ክኸውን ኣይከኣልን'ዩ ዝበሃል ምምጻኣ እናፍቕን ደስ ይብለኒን።"

