SKIP TO MAIN CONTENT

ዳናካሊ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ናብ ናይ መወዳእታ ምጅማር ፍርያት ይገማገም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ፕሮጀክት ፖታሽ ኩሉሊ፡ ካብ 2022 ኣትሑዙ ልዕሊ 472,000 ቶን ሳልፌት ፖታሽ ንምፍራይ ይስጉም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

SBS Tigrinya News
Source: mining

2 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ኤርትራ ኣብ ፕሮጀክት ፖታሽ ኩሉሊ ተዋፊሩ ዘሎ ኣውስትራሊያዊ ኩባኒያ ዳናካሊ ናብ ናይ ህናጻ ደረጃ ዘወድኦ ምወላ ከምዝ ኣኻኽብ ኣፍሊጡ

እቲ ኩባኒያ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብዚ ኤርትራ ንመምርሒ ምዕጻው ኮቪድ-19 ኣፍኲሳትሉ ዘላ እዋን ነቲ ፕሮጀክት ዘወድኦ ዘድሊ ፋይናንሲያዊ ዓቕሙ ክብ ዝብለሉ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ከተማ ፐርዝ ዝመደበሩ ናይ ዕደና ኩባኒያን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ማዕድን (ENAMCO) 50:50 ብጽሒት ዘለዎም ኮይኑ፡ ኣብቲ ክሳብ 30 ሰነ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ ወርሑ ጸብጻብ ኣብ ኩሉሊ ከይተወድ ኡ ተሪፎም ዝጸንሑ መደባት ንምዕማም ዘድሊ ገንዘብ ከምጽእ ምዃኑ ገሊጹ።

“ብሰንኪ ኮቪድ-19 ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ብድሆታት እንተሎ’ኳ፡ 2020 ነቲ ስራሕ ናይ ኩሉሊ ፕሮጀክት ጀሚርናዮ ኣለና። ኣብ መዳይ ምህንድስና፡ ዕድጊን ንጥፈታት ምሕደራ ህንጻን ጽቡቕ ምዕባለ ከንርኢ ኪኢልና ኣለና።” ክብል ቀንዲ ሓላፊ ናይቲ ኩባኒያ ኔልስ ወጅ ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ተዛሪቡ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ 2022 ፍርያት ንምጅማር ዘኽእሎ ስጉምቲ ይስጉም ከምዘሎ ወጅ ወሲኹ ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ፈለማ ገጽ ናይቲ ስራሕ፡ ኩሊሉ ኣብ ዓመት ልዕሊ 472,000 ቶን ናይ ሳልፌት ፖታሽ ዝበለጸ ድዂዒ ከምዘፍሪ ተፈሊጡ ኣሎ።

ደናካሊ ናብ ካልኣይ ገጽ ወፍሪ ክዓቢ እንተወሲኑ፡ ዓመታዊ ፍርያት ናብ ኣስታት 944,000 ቶናት ከፍሪ ይኽእል እዩ። እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 200 ዓመት ክጸንሕ ዝኽእል ምዃኑ ኣብቲ Mining.com ዝሰፈረ ጽሑፍ የመልክት።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now