SKIP TO MAIN CONTENT

ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኤውሮጳ ወጻኦም ጉዳዮም ክርአ ኣባላት ባይቶ ዴንማርክ ተሰማሚዖም።

ፓርላማ ዴንማርክ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ሕጊ ፡ እቶም ኣመልከትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ መስርሕ እናሃለወ ዝቕመጡሉ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ናይ ዑቕባ ማእከላት ክኸፍት ዘኽእልን እቲ ምልክታ ዑቕባ ተቐባልነት እንተረኺቡ ኣብቲ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ዝጸንሕሉ ሃገር ክነብሩ ዘኽእል ሕጊ ፡ ከምዘውጽአ "The Local" ዝተባህለ ናይታ ሃገር ማዕከን ዜና ብእንግልዝኛ ኣብዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ። ።

News
Source: Getty Images

2 min read

Published


Skip to article content

 

እታ ካብ ሃብታማት ሃገራት ስካንዲናቭያ  ዝኾነት ዴንማርክ  ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤውሮጳ ምቕባል ስደተኛታት ዘይትቕበል ኮይና፡  ስደተኛታት ምሉእ ንምሉእ ናብ ዴንማርክ ንኸይኣትዉ ንምዕጋት ዕላማ ጌራ ነዚ ሕጊ ከምዘውጽኣቶ ተፈሊጡ ኣሎ።

 ዋላ "ኳ ካብ ሰብኣውያን ማሕበራትን ገለ ጸጋማውያን ሰልፊታትን ነቐፌታ እንተቐረበ ፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር መይት ፍረድሪክሰን ሶሻል ዲሞክራትስ ዝቐረበ ሕሳብ ፡ 70 ድምጺ ብ 24 ሓሊፉ ኣሎ።

 ብመሰረት'ዚ ሕጊ ፡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ዶብ ዴንማርክ ብኣካል መጺኦም መመልከቲ ከቕርቡ ፡ ብድሕርዚ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝርከብ ማእከል መዕቆቢ ከይዶም ፡ ሕቶኦም ድማ በታ ኣአንጋዲት ሃገር መስርሕ ይካየደሉ ።

 እቲ መመልከቲ ተቐባልነት እንተ ረኺቡ እሞ እቲ  ስደተኛ ኣብ ዴንማርክ ዘይኮነ ኣብቲ ዝጸንሃሉ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቦ ሃገር ምንባር መሰል ይረክብ።

 እንተ ተነጺጉ ፡ እቲ ስደተኛ ካብታ ኣአንጋዲት ሃገር ክወጽእ ይግደድ። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ዴንማርክ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ዝተሰማምዐት ሃገር የላን ፣ መንግስቲ ግን ምስተን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ሃገራት ስመን ዘይተጠቕሳ ሃገራት ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ይገልጽ ።

 

ማዕከናት ዜና ዴንማርክ ንግብጺ ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ተኽእሎታት ጠቒሰንኦ ኣለዋ ። ዴንማርክ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ምስ ሩዋንዳ ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ይፍለጥ ።

 እቲ ሰነድ ንደጋዊ መስርሕ ዑቕባ ዝሽፍን እኳ እንተዘይኮነ ፣ ክልቲኦም ብዛዕባ ናይ ዑቕባን ፍልሰትን ምትሕግጋዝ ምርድዳእ ጌሮም ኣለዉ ።

 

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት UNHCR ነቲ ሕጊ "ኣንጻር መትከላት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ስደተኛታት" ብምባል ነቒፍዎ ።

 "እዚ  ደንማርክ ኣብ ሕጋጋት ስደተኛታት ኣዝዩ ከቢድን ቀያድን ተተኣታትዎ ዘላ ለውጢ  ፡ ብደንማርክ ተጀሚሩ ፣ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝርከባ ካልኦት ሃገራት እውን ፡ ስደተኛታት ኣብ መሬተን ዕቝባ ንኸይህባ ኣሰራ ክኽተላ ዝገብር እዩ" ክብል ኣብ ኖርዲክን ሃገራት ባልቲክን ወኪል UNHCR ፡ ሄንሪክ ኖረንቶፍ ፡ ንማዕከናት ዜና ሪትሳው ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ።

 

ዴንማርክ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣንጻር ኢሚግሬሽን ፖሊሲታታ ፡ እንተላይ ወግዓዊ "ዜሮ ስደተኛታት" ዕላማኣ ብምግባር ፡ መንበሪ ፍቓዳት ካብ ሶርያውያን ምስሓባ ፡ ንገለ ክፋል ናይታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ሃገር ድሕነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትያቶ ከምዘላ ፡ ከምኡ "ውን ቁጽሪ" ምዕራባውያን ዘይኰኑ "ነበርቲ ንምንካይ ኣብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ፡ ዴንማርክ መዛረቢ ዜናታት ዓለም ኮይና ኣላ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now