ኣብ ህንዲ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 እናጎደለ ብምኻዱ፡ ኣብ ኒውደልሂን ሙምባይን ዝጸንሐ ዕጽዋ ፎኹሱ፡

ብመሰረት ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ኣብ መላእ ህንዲ መዓልታዊ እተራእየ መልከፍቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ልዕሊ 400,000 ናብ ኣስታት 120,000 ኣንቈልቊሉ ኣሎ ።

A health worker screens travellers at a train station in Mumbai, India on 24 May 2020.

A health worker screens travellers at a train station in Mumbai, India on 24 May 2020. Source: AAP

ኣብ ኒውደልሂ ዝርከባ ዕዳጋታትን ማእከላት ዕዳጋታትን ፡ ኮቪድ-19 ካብ ሰኑይ ጀሚረን ክኸፍታ ክፍቀደለን ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዋና ሚኒስተር ፡ እቲ መልከፍቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ህንዲ ንሰሙናት ዝጸንሕ እናጎደለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡

ብዘይካዚ ፡ ናይ ደልሂ ሜትሮ መጓዓዚያ ባቡር ፡ ብ 50 ሚእታዊት ዓቕሚ ኣገልግሎት ጀሚሩ ፡ ቀንዲ ሚኒስተር እታ ከተማ ኣርቪንድ ኬጅሪዋል ፡ ብቀዳም ሓቢሩ።

ዕዳጋን ማእከላት ዕዳጋ በብፈረቓ ፡ ፍርቆም ድማ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ይኸፍቱ ።

ኣብያተ-ጽሕፈት እውን ብፍርቂ ዓቕመን ክኸፍታ ይኽእላ እየን ፡ ሚስተር ኸይጂሪዋል ግን ሰባት ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደልሂ ናይ ህንጻ ቦታታትን ፋብሪካታትን ከም ብሓድሽ ስርሖም ክጅምሩ ተፈቒዱ።

"ንሓደ ሰሙን ክፉት ኮይኖም ጸኒሖም ፡ እንተዀነ ግን ኵነታት ኮቪድ-19 ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ኣሎ ፡ ኣብ ውሽጢ 'ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ድማ ካብ 500 ዘይውሕዱ ሓደስቲ ሕሙማት ኣለዉና" ኢሉ ሚስተር ኸይጅሪዋል ።

"ኵነታት ኮቪድ-19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ብምምጽኡ ፡ ቁጠባና ናብ ንቡር ምምላስ ኣገዳሲ እዩ ። " ኢሉ።

ንናይ ሕንዲ ማእከል ቁጠባ ዝኾነት ከተማ ሙምባይ ዘጠቃልል መንግስቲ ማሃራሽትራ ብዝሒ መልከፍቲን ኣብ ናይ ሆስፒታል መደቀሲ ቦታታት ዘሎ ሕሙምንን ኣብ ግምት ብምእታው ቀይድታት ንምቕናስ ናይ ሓሙሽተ ደረጃ ውጥን ኣፍሊጡ ።

ኣብ ደረጃ ሓደ- መጠን መልከፍቲ ትሕቲ ሓሙሽተ ሚእታዊት ፡ ናይ ሆስፒታል መደቀሲ ትሕቲ 25 ሚእታዊት - ኩለን ኣብያተ-መሸጣ ፡ ኣብያተ-መግብን ማእከላት ዕዳጋታትን ዳግማይ ክኽፈታ ክፍቀደለን እዩ ።

እንተዀነ ግን: እተን ልዕሊ 20 ሚእታዊት ረኽሲ ዘለወን ደረጃ-ሓሙሽተ ወረዳታት: ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ምንቅስቓስ ቀይድታት ክጸንሓ እየን ።
Health workers at a COVID-19 centre in Mumbai, India on 24 May 2021.
Health workers at a COVID-19 centre in Mumbai, India. Source: AAP
ብመሰረት ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ኣብ መላእ ህንዲ መዓልታዊ እተራእየ መልከፍቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ልዕሊ 400,000 ናብ ኣስታት 120,000 ኣንቈልቊሉ ኣሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 3,380 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ፡ እዚ ግና ካብቲ ልክዕ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝተሓተ ከም ዝዀነ ይፍለጥ ።

ብውሕዱ 344,082 ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ሎሚ ኣብ ገጠራት ሕንዲ እቲ ቫይረስ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብቀዳም ደልሂ ኣስታት 400 ሓደስቲ መልከፍቲ ከም ዘጋጠማ ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ሰሙን እቲ ምዕጻው ኣብ እተነግረሉ እዋን መዓልታዊ 25,000 መልከፍቲ ይምዝገብ ኔሩ።

እዚ ከምዚ 'ሉ ከሎ ኣብ ህንዲ ናይ ክታበት ፕሮግራም ብሰንኪ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዘሎ ምስሕሓብ፥ ሕጽረት ክታበታትን ፣ ዛሕቲሉ ኣሎ ።

ክሳዕ ሕጂ 180 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት: ማለት 14 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ሓደ ዶዝ ተኸቲቦም ዘለዉ: 45 ሚልዮን ወይ 3.4 ሚእታዊት ክልተ ዶዝ ተኸቲቦም ኣለዉ ።


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ህንዲ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 እናጎደለ ብምኻዱ፡ ኣብ ኒውደልሂን ሙምባይን ዝጸንሐ ዕጽዋ ፎኹሱ፡ | SBS Tigrinya