ኣብ ህንዲ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 እናጎደለ ብምኻዱ፡ ኣብ ኒውደልሂን ሙምባይን ዝጸንሐ ዕጽዋ ፎኹሱ፡

ብመሰረት ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ኣብ መላእ ህንዲ መዓልታዊ እተራእየ መልከፍቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ልዕሊ 400,000 ናብ ኣስታት 120,000 ኣንቈልቊሉ ኣሎ ።

A health worker screens travellers at a train station in Mumbai, India on 24 May 2020.

A health worker screens travellers at a train station in Mumbai, India on 24 May 2020. Source: AAP

ኣብ ኒውደልሂ ዝርከባ ዕዳጋታትን ማእከላት ዕዳጋታትን ፡ ኮቪድ-19 ካብ ሰኑይ ጀሚረን ክኸፍታ ክፍቀደለን ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዋና ሚኒስተር ፡ እቲ መልከፍቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ህንዲ ንሰሙናት ዝጸንሕ እናጎደለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡

ብዘይካዚ ፡ ናይ ደልሂ ሜትሮ መጓዓዚያ ባቡር ፡ ብ 50 ሚእታዊት ዓቕሚ ኣገልግሎት ጀሚሩ ፡ ቀንዲ ሚኒስተር እታ ከተማ ኣርቪንድ ኬጅሪዋል ፡ ብቀዳም ሓቢሩ።

ዕዳጋን ማእከላት ዕዳጋ በብፈረቓ ፡ ፍርቆም ድማ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ይኸፍቱ ።

ኣብያተ-ጽሕፈት እውን ብፍርቂ ዓቕመን ክኸፍታ ይኽእላ እየን ፡ ሚስተር ኸይጂሪዋል ግን ሰባት ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደልሂ ናይ ህንጻ ቦታታትን ፋብሪካታትን ከም ብሓድሽ ስርሖም ክጅምሩ ተፈቒዱ።

"ንሓደ ሰሙን ክፉት ኮይኖም ጸኒሖም ፡ እንተዀነ ግን ኵነታት ኮቪድ-19 ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ኣሎ ፡ ኣብ ውሽጢ 'ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ድማ ካብ 500 ዘይውሕዱ ሓደስቲ ሕሙማት ኣለዉና" ኢሉ ሚስተር ኸይጅሪዋል ።

"ኵነታት ኮቪድ-19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ብምምጽኡ ፡ ቁጠባና ናብ ንቡር ምምላስ ኣገዳሲ እዩ ። " ኢሉ።

ንናይ ሕንዲ ማእከል ቁጠባ ዝኾነት ከተማ ሙምባይ ዘጠቃልል መንግስቲ ማሃራሽትራ ብዝሒ መልከፍቲን ኣብ ናይ ሆስፒታል መደቀሲ ቦታታት ዘሎ ሕሙምንን ኣብ ግምት ብምእታው ቀይድታት ንምቕናስ ናይ ሓሙሽተ ደረጃ ውጥን ኣፍሊጡ ።

ኣብ ደረጃ ሓደ- መጠን መልከፍቲ ትሕቲ ሓሙሽተ ሚእታዊት ፡ ናይ ሆስፒታል መደቀሲ ትሕቲ 25 ሚእታዊት - ኩለን ኣብያተ-መሸጣ ፡ ኣብያተ-መግብን ማእከላት ዕዳጋታትን ዳግማይ ክኽፈታ ክፍቀደለን እዩ ።

እንተዀነ ግን: እተን ልዕሊ 20 ሚእታዊት ረኽሲ ዘለወን ደረጃ-ሓሙሽተ ወረዳታት: ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ምንቅስቓስ ቀይድታት ክጸንሓ እየን ።

Health workers at a COVID-19 centre in Mumbai, India on 24 May 2021.
Health workers at a COVID-19 centre in Mumbai, India. Source: AAP

ብመሰረት ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ኣብ መላእ ህንዲ መዓልታዊ እተራእየ መልከፍቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ልዕሊ 400,000 ናብ ኣስታት 120,000 ኣንቈልቊሉ ኣሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 3,380 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ፡ እዚ ግና ካብቲ ልክዕ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝተሓተ ከም ዝዀነ ይፍለጥ ።

ብውሕዱ 344,082 ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ሎሚ ኣብ ገጠራት ሕንዲ እቲ ቫይረስ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብቀዳም ደልሂ ኣስታት 400 ሓደስቲ መልከፍቲ ከም ዘጋጠማ ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ሰሙን እቲ ምዕጻው ኣብ እተነግረሉ እዋን መዓልታዊ 25,000 መልከፍቲ ይምዝገብ ኔሩ።

እዚ ከምዚ 'ሉ ከሎ ኣብ ህንዲ ናይ ክታበት ፕሮግራም ብሰንኪ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዘሎ ምስሕሓብ፥ ሕጽረት ክታበታትን ፣ ዛሕቲሉ ኣሎ ።

ክሳዕ ሕጂ 180 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት: ማለት 14 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ሓደ ዶዝ ተኸቲቦም ዘለዉ: 45 ሚልዮን ወይ 3.4 ሚእታዊት ክልተ ዶዝ ተኸቲቦም ኣለዉ ።


2 min read

Published

Source: AFP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now