ዓበይቲ ነጥቢታት
- ተፍ (TAFE) ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ሞያዊ ትምህርቲ፡ ስልጠናን ናይ ስራሕ ምኽሪ ዝህብ ትካል እዩ።
- ዜጋታት፡ ቀዋሚ ነበርቲ፡ ናይ ወጻኢ ተመሃሮን ገለ ናይ ጊዝያዊ ቪዛ ዘለዎምን ናይ TAFE ተጠቀምቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
- Free courses are available for jobs in some sectors
ናይ ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ኮርስ ምውዳእ ናብ ናይ ፈለማ ስራሕ ኣብ ኣውስትራሊያ ክመርሕ ይኽእል እዩ፡ ብተወሳኺ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝሓሸ ስራሕ ንምርካብ ሞያኻ ዘመሓይሽ ወይውን ሓድሽ ሞያ ንምጥራይ ዝሕግዝ ክከውን ይኽእል እዩ።
ተክኒካዊን ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ስርዓት (The Technical and Further Education system (TAFE) ህዝባዊ ናይ ሞያ ትምህርቲን ስልጠናን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝህብ ትካል እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝ ኣታትን ተሪቶሪ ዝርከቡ ትካላት TAFE ናይ ከፊል ግዜ ኮርሳት፡ ኣብ ካምፓስ ኬድካ ዝርከብ ኣማራጺታት ትምህርቲን ናይ ኦንላይን ኮርሳትን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ክእለታትን ዝህብ ትካል እዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ቪክቶሪያ ማሕበር TAFE ፡ ኣንድሪው ዊሊያምሶን ከምዝገልጾ፡ TAFE ብ ኣሻሓት ዝቑጸር ዝተፈላለዩ ኮርሳት ካብ ኣካውንቲንግን ኦቶሞቢል ኢንዳስትሮታት ክሳብ ናይ ጸጉሪን መመላኽዒታት፡ ህንጻ፡ ቢዝነስን ዕዳጋን፡ ኣገልግሎታት ማሕበረሰብ፡ ክንክን ጥዕና፡ ናይ ቆልዑ ትምህርቲን ካልእ ብዙሕ ዓይነታት ኮርሳት ዝህብ እዩ።
ሚስተር ዊሊያምምሶን ብተወሳኺ ከምዝገልጾ እቶም ኣብዚ ኣትዮም ዝመሃሩ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ TAFE ብምኻድ እቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ክሓርዩ፡ ደገፍን ናይ ሞያ ምኽሪን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ሰብ ሞያ ኣማኸርቲና ምስቶም ክመሃሩ ዝደልዩ ኮፍ ኢሎም እቲ ዘሎ ኣማራጺታትን ኣብ ህይወቶም ክረኽብዎ ዝደልይዎ ሞያን ይማኸሩ እዮም። Image
ኩሎም ኮርሳት ኣይኮኑን ናይ መእተዊ ቅድመ ኩነት ዝሓቱ፡ ዋላ እቶም ዝድለዩ ረቛሒታት ክንድቲ ዩኒቨርሲታት ዝሓትዎ ከበድቲ ኣይኮኑን። ገለ ካብቶም ክማል ኡ ዝሕተቱ ትሑት ብቕዓት፡ ፍልጠት፡ ክእለትን ተመኩሮን ኮይኖም፡ ነቲ ዝሕሰብ ሞያ ብዓወት ንምዝዛም ዝሕግዙ እዮም።
ማንዲ ኑር፡ ናይ ዓበይቲ ተሰደድቲ ናይ እንግሊዝኛ ፕሮግራም ኣብ ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ TAFE ትመርሕ እያ፡ ገለ ገለ ኮርሳት ንምምሃር ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክእለት ምህላው ዝሓቱ ኣለዉ ትብል።
ነቲ ኮርስ ንምውሳድ ነቲ ናይ መእተዊ ቅድመ ኩነት ዘይተማልእ እንተኾይንካ ናብኡ ንምእታው ካልእ መገዲ ከምዘሎ ነማኽር ኢና። ን ኣብነት ብትሑት ኮርሳት ምጅማር ይከኣል እዩ።
ብዙሓት ናይ TAFE ኣባላት ሰራሕተኛትት ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ወጻኢ ብኻልእ ቋንቋ ዝዛረቡ እዮም፡ እንተኾነ ኣብከባቢኻ ዝርከብ TAFE ብቋንቋኻ ዝዛረብ ሰብ እንተዘየሎ፡ ብ ደፓርትመን ሆም ኣፈየርስ ዝወሃብ ናይ ነጻ ናይ ተለፎን ምትርጓም ኣገልግሎት ምጥቃም ይከኣል እዩ።
ብቕልጡፍ ናይ ተለፎን ኣገልግሎት ትርጉም ንምርካብ፡ ን Translating and Interpreting Services ብ131 450 ድውሉ።
ነቲ ብቛንቋኹም ዝዛረብ ኣስተርጓሚ ምስረኸብኩሞ፡ ቅድሚቲ ኮነፈረንስ ምጅማሩ ቁጽሪ ናይቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ TAFE ሓብርዎ።

ልዑል ጠለብ ንዘለዎም ስራሓት ኣብዝተፈላለዩ ክፍለግዝኣታት ብመንግስቲ ዝምወሉ ኮርሳት ኣለዉ።
ሚስተር ዊላምሶንከምዝገልጾ፡ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ 40 ክሳብ 50 ናይ ነጻ ኮርሳት ኣለዉ። እዚኣቶም ካብ ቅድመ ሞያ (pre-apprenticeship) ኮርሳት ክሳብ ሰርቲፊኬት IV ን ዲፕሎማን ይርከብዎም።
ነቲ ክፍሊታት ናይቲ ዝውሰድ ኮርሳት እቶም ተመሃሮ ዘይኮኑስ መንግስቲ እዩ ን TAFE ብቐጥታ ዝኸፍሎ።
ነጻን ብኸፊል ዝምወሉን ኮርሳት ዝበዝሕ እዋን ንዜጋታት፡ ቀዋሚ ነበርቲ፡ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባንዮም ዝወሃቡ።
ማንዲ ኑር ከምትገልጾ ነቶም ግዚያዊ ቪዛ ዝሓዙን ወይ ፋይናንሲያዊ ደገፍ ዝደልዩ ካልእ ኣማራጺታት ኣለዉ።
ን ኮርሳት ዝኽፈሉ ክፍሊታት በብቕሩብ ክኽፈል ይከኣልዩ። ንዝለዓለ ኮርሳት ዝኸውን ኣለና፡ እዚ ድማ ናይ ተመሃሮ ልቓሕ ወይ FEE-HELP ዝበሃል ኮይኑ ብ መንግስቲ ኮመንወልዝ ዝምወልን ተመሃሮ ሎሚ ብነጻ ክመሃሩሞ ኣብ መጻኢ ክኸፍልዎ ዝሕግዝ እዩ።
ኣብ ሞያኹም ተወሳኺ ስጉምቲ ንምግባር ዘሎ ፋይናንሲያዊ ደገፍ ንምፍላጥ፡ ምስቲ ኣብ ከባቢኹ ዝርከብ TAFE ተወከሱ።
ንሓፈሻዊ ምስ TAFE ዝተሓሓዝ ሓበሬታ ንምርካብ, ኣብ www.myskills.gov.au. ብጽሑ
ኣብ ቪክቶሪያ ኣብ TAFE Victoria ብጽሑ ወይ ብ 131 823 ደውሉ።
ኣብ ኒው ሳውዝ ወልድ, ኣብ TAFE NSW ብጽሑ ወይ ብ 131 601 ደውሉ
ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ, ኣብ TAFE WA ብጽሑ ወይ ብ 1300 300 822 ደውሉ
ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ, ኣብ TAFE SA ብጽሑ ወይ ብ 1800 882 661 ደውሉ
ኣብ ኲንስላንድ, ኣብ TAFE Queensland ብጽሑ ወይ ብ 1300 308 233 ደውሉ
ኣብ ታስማኒያ, ኣብ TasTAFE ብጽሑ ወይ ብ 1300 655 307 ደውሉ
ኣብ ኖርዘርን ተሪቶሪ, ኣብ Charles Darwin University ብጽሑ ወይ ብ 1800 061 963 ብጽሑ
ኣብ ACT, ኣብ Canberra Institute of Technology ብጽሑ ወይ ብ 02 6207 3188 ብጽሑ

