SKIP TO MAIN CONTENT

ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ደጊሙ ተዓጽዩ

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ መራሕቲ ሃገራት አብ ዝተስፌስታ ዝተኸፍተ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ደጊሙ ተዓጽዩ።

Eritrea Ethiopia border opening
Source: Africanews

1 min read

Published



Skip to article content

ዝሓለፈ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ዝተኸፍተ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ደጊሙ ከምዝተዓጽወ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ኢዘጋ.ኮም ኣስፊራ። እቲ መሳገሪ ነቑጣ ናይ'ቲ ዶብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣመሓደርቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ ብዓቢይ ጽንብል ተኸፊቱ። ብመሰረት እቶም ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መሳገሪ ነቑጣ ንዝምለሱ በጻሕቲ ጥራይ ክፉት ብምግዳፍ ንኻልእ ኩሉ ዓጽይዎ’ሎ። ንምንታይ ተዓጽዩ ግን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ከምዝዝከር መሰጋገሪ ነቑጣ ዶብ ዛላምበሳ’ውን ድሕሪ ሒደት አዋርሕ ምፍርራም ውዕል ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ተዓጽዩ’ዩ። መንግስቲ ክልል ትግራይ እዚ ዶብ ንምንታይ ተዓጽዩ ክግለጸሉ መብርሂ ሓቲቱ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ሓደ ተወካሊ ክልል ትግራይ አብ ዝሃቦ ሓደ ሓጺር መብርሂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝያዳ ሓበሬታ ክወሃቦ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሓቲቱ’ሎ። ካልኦት ጸብጻባት ከአ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምዕላው ዑመር ኣልበሽር ምስ ሱዳን ኣብ ዘዋስና ዶባት ሰራዊት ኣስፊራ ክብሉ ሓቢሮም። ምዕጻው ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ይኹን ምስ’ቲ አብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ወይ ከአ ምስ ክልቲኡ ዝዛመድ ምዃኑ ብንጹር ኣይተፈልጠን ክብል እቲ ኣብ ኢዘጋ.ኮም ዝሰፈረ ጸብጻብ አመልኪቱ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now