ብኣፈኛ ናንሲ ፖለሲ ዝምራሕ ናይ ሰልፊ ደሞካት ዝዕብልሎ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኣብቲ ቀዳማይ ዓንቀጽ ናይቲ ፕረሲደንት ስልጣኑ ተጠቒሙ ገበን ሰሪሑ ብዝብል ገበነኛ ዘግብር ድምጺ ክህዝቡ ዊዒሎም።
ሚስተር ትራምፕ ስልጣን መንግስቲ ንውልቁ ብምውዓልን ብምዕጋት መስርሕ ኮንግረስን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ድሕርዚ ጉዳይ ሚስተር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ሰነት ክሓልፍ እዩ። ኣብ ሰኔት ሰልፊ ሪፑብሊካዊያን 53-47 ዓብለልቲ መናብር ዘለዉዎ እዩ።

ኣብኡ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ጆን ሮበርትስ እዩ ነቲ መጋባኣያ ክዳንዮ፡
እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ንኸልግስ ኣብ ሰኔት 2 ሲሶ ደገፍ ክርከብ ኣለዎ። ስለዚ ሪፖብሊካዊያን እንተዘይተሓሓቢብሮም እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣይክእልን እዩ፡፤
ሚስተር ትራምፕ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ ነቲ ኣብ 2020 ዝግበር ምርጫ መናሓንሕቱ ዝኾነ ደሞክራት ጆ ባይደን ንምጽላም ምስ ወዱ ዝተገብረ ጉዳይ ዩክሬን ናይ ብልሽውና ገበን ብሓይሊ ከተቕርብ ብምግዳድ ነታ ሃገር ክወሃብ ዝተሃስበ ናይ ገንዘብ ከምዝደናገ ብምግባሩ እዩ።
እቲ ፕረሲደንት ብተወሳኺ ምስቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ኮንግረስ እቲ መስርሕ ንኸይካየድ ክተሓባበር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን እዩ፡፤
ሎሚ እቲ ድምጺ ኣብዝወሃበሉ ዝነበረ እቲ ፕረሲደንት ዘለዎ ፍርሕን ምንጽርጻርን ዘንጸባርኽ ናይ ትዊተር መልእኽቲታት ክፍኑ እዩ ዊዒሉ።
"Can you believe that I will be impeached today by the Radical Left, Do Nothing Democrats, AND I DID NOTHING WRONG! A terrible thing," ዝብል ሓደ ካብቲ ብትዊተር ዝሰደዶ መልእኽቲ እዩ፡፤


