ዶናልድ ትራምፕ ገበን ምፍጻሙ ተረጋጊጹ፡ ነቲ ብይን 'ዘይረብሕ ' ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ናይ ቀደም ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ፡ ነቲ ን ኣመንዝራ ስቶርሚ ዳኔልስ ዝኸፈሎ ገንዘብ ንምሽፋን ፡ ብ34 ናይ ሓሶት ሰነዳት ንግዲ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ።

Donald Trump in a navy suit, white shirt and blue tie

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብይን "ዘይረብሕ መጋባእያ" ኢልዎ። Source: AAP / Steven Hirsch/AP

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ንስቶርሚ ዳኒኤል ናይ ፊልም ኮኸብ ዝኸፈሎ ገንዘብ ንምሽፋን ናይ ሓሶት ናይ ንግዲ መዝገብ ምቕራቡ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበሉ ብይን "ዘይረብሕ " ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ ።
ድሕሪ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ምቕራብ ብይን፡ ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ትራምፕ ብዅሉ 34 ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ኣፍለጠ ። ኣብዚ ብይን ንምብጻሕ 12 ኣባላት እቲ መጋባኣያ ሓደ ድምጺ ክህቡ ወይ ክሰማምዑ ዘድሊ እዩ ።
እዚ ብይን ብገበን ካብ እተፈርዱ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ይገብሮ ።
እቲ ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይ ፡ ይግባይ ከይብል ተኸሊኡ ፡ ነቲ ኣብ 2006 ምስ ስቶርሚ ዳኒኤልስ ዝነበሮ ዝምድና'ውን ክሒድዎ ።


ድሕሪ እቲ ብይን ፡ ትራምፕ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ክዛረብ ከሎ ፡ "ኣዝዩ ንጹህ ሰብ" ከም ዝነበረ ገለጸ ።
"እዚ ብሓደ ብልሹው ዳኛ ዝተዋህበ ብይን ዳኛ እዩ ። ነዚ ክሲ እዚ ንምምላስ ዘኽእል ዝዀነ ይኹን መርትዖ ከየቕረበ: እዚ ብልሽውን ውርደትን እዩ ነይሩ "በለ ።
"እቲ ናይ ሓቂ ብይን ፡ 5 ሕዳር እዩ ብህዝቢ ክወሃብ ። ኣብዚ እንታይ ከም ዘጋጠመ ይፈልጡ እዮም: ኣብዚ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኵሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ "በለ ።
ትራምፕ ፡ "ንሃገርና " ከምኡውን "ንሕገ መንግስትና" ይቃለስ ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ ።
"ክንቃለስ ኢና ። ክንቃለስ ኢና ንመወዳእታ ፡ ክንዕወት ድማ ኢና ፡ ምኽንያቱ ሃገርና ናብ ገሃነም እያ ከይዳ ዘላ።
"እዚ ካብ ገና ኣየብቅዐን" ኢሉ ።
ጠበቓ ኣውራጃ ማንሃታን ኣልቪን ብራግ ፡ እቶም ክኢላታት ሕጊ "ብዘይ ፍርሒ ወይ ብዘይ ኣድልዎን" ውሳነኦም ከም ዝገበሩ ገሊጹ ።

"እቶም በብመዓልቱ ዝተኣከቡ 12 ክኢላታት ሕጊ ፡ ኣብ መርትዖን ኣብ ሕግን ኣብ መርትዖን ኣብ ሕግን ተመርኲሶም ጥራይ እዮም ውሳነ ክገብሩ እተማባጽዑ" ድማ በለ ።
"እቲ ተኸሳሲ ዶናልድ ጀይ. ትራምፕ ፡ ነቲ ኣብ 2016 እተገብረ ምርጫ ብብልሽውና ንምዕዋት ፡ ብቐዳማይ ደረጃ 34 ጸብጻብ ንግዲ ከም ዝሓሰወ ብምሉኦም ደያኑ መደምደምታ ከም ዝበጽሑ ገይርዎም እዩ ።
"እዚ ተኸሳሲ እዚ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ ኰነ ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ፡ ኣብዚ ብይን እዚ ዝበጻሕና ፣ ከምቲ ኣብ መዓጹ እቲ ኩሉ ቤት-ፍርዲ ዝቐርብ ፡ ጭብጥታትን ሕግን ብምስዓብ ከምኡ እውን ብዘይ ፍርሒ ወይ ብዘይኣድልዎ ኢና ገይርናዮ ።"
ብራግ እቲ ናይ ክሲ ጉጅለ መጋባኣያ ስርሑ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ።ob.

'ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን'

ፕሬዝዳንት ጆ ባይደንን ምክትል ፕሬዝዳንት ካማላ ሃሪስን ድሕርቲ ዝተዋህበ ናይ ገበን ብይን ኣብቲ ናይ ምርጫ ጎስጓሶም "ካብ ሕጊ ንላዕሊ ዝኾነ ሰብ የለን" መግለጺ ኣውጺኦም ።
"ዶናልድ ትራምፕ ሕጊ ብምጥሓስ ንብሕታዊ ጥቕሙ ክብል ዘውርዶ ሳዕቤን ከም ዘይወርዶ ወትሩ ብጌጋ እዩ ዝኣምን ።" ድማ በለ ።

"ሎሚ ዘሎ ብይን ግና ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣመሪካ ዝወርድ ዘሎ ቀሊል ሓቂ ዝቕይሮ ኣይኰነን ። ንዶናልድ ትራምፕ ካብ ናይ ዋይት ሃውስ ኸውጽኦ ዝኽእል ሓደ መገዲ ኣሎ: - ንሱ ድማ ኣብ መድመጺ ሳጹን ። "

እቲ መጋባኣያ እንታይ እዩ ሰሚዑ?

እቲ ቤት ፍርዲ ፡ ትራምፕ ነታ ሕጂ ዘላ መላንያ ሰበይቱ ተመርዕዩ ከሎ ብ2006 ምስ ትራምፕ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመት ናይ ኣመንዝራነት ኮኾብ ዝኾነት ስቶርሚ ዳኒኤልስ ዝሃበቶ ምስክርነት ተሞርኲሱ ፡ ሓሙሽተ ሰሙን ኣብ ዝወሰደ መርመራ ፡ ነዚ ዝምልከት ናይ ሓሶት ሰነዳት ንግዲ ከም ዝፈጸመ እቲ መጋባኣያ ኣረጋጊጹ ።
እቲ ሽዑ ናይ ትራምፕ ዘመዓራርየሉ ዝነበረ ማይክል ኮሀን ፡ ትራምፕ ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ፡ ብዛዕባ ብዙሕ ጾታዊ ብዕሉግነቱ ክሲ ምስ ቀረበሉ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰሙናት ምርጫ ፡ ንመሸፋፈኒ ዝኸውን 130,000 ዶላር ኣመሪካ (196,000 ዶላር) ገንዘብ ን ስቶርሚ ዳኒኤልስ ክወሃብ ከም ዘጽደቐ መስኪሩ ።
Donald Trump, wearing a dark suit and black tie, walks through a doorway into a courtroom.
Donald Trump denies having had an alleged sexual encounter with Stormy Daniels in 2006. Source: AAP / Seth Wenig/AP
ኮሀን ነቲ ክፍሊት ንሱ ከም ዝሓዞ ብምምስካር ፣ ትራምፕ ድማ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምምሳል ብወርሓዊ ክፍሊት ክህቦ ዘኽእሎ ውጥን ኣጽደቐ ።
ጠበቓታት ትራምፕ ፡ ንሓቅነት ኮሀን ብምንቃፍ ፡ ገበናዊ መዝገቡን ማእሰርቱን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሓሶት ዝነበሮ ታሪኽ ኣጕሊሖም ገሊጾም እዮም ።
ሰነዳት ንግዲ ምትላል ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ከም ልሙድ ሕማቕ ተግባር እዩ ዝርአ ፣ ኰይኑ ግና ፡ እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ብራግ ዝነበሩ ዓቀብቲ ሕጊ ፡ ትራምፕ ዘይሕጋዊ ጎስጓስ ምርጫ ከም እተገብረ ስለ ዝሓብአ ፡ ገበነኛ ገይሮም ኣለዉ።
ትራምፕ ኣብ ን11 ሓምለ እዩ ክፍረድ ።
ካልኦት ብተመሳሳሊ ከምዚ ገበን እዚ ገበነኛታት ተባሂሎም እተፈርዱ ሰባት ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክሳብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ'ውን ይኽእል እዩ ። እቲ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ትራምፕ፡ ጐስጓሳት ካብ ምግባር ፡ ወይ ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ኣይዓግቶን እዩ ።

With additional reporting by the Australian Associated Press

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service