ካብ ምስሊ ናይ የሱስ ናብ 'ቅዱስ ኲናት': ዶናልድ ትራምፕ ግን ንገዛእ ርእሱ መለኮታዊት ጌሩ ይሓስባ ማለት ድዩ?

እቲ ዶናልድ ትራምፕ ከም የሱስ ጌሩ ዘቕረቦ ምስሊ ከቢድ ወቐሳ እዩ ዘኒብሉ።

Graphic art showing Donald Trump (centre) holding up a bible in his right hand. Behind him and facing left is a man in a suit. Behind Trump and facing right is the Pope Leo, wearing red vestments and a white cap

Donald Trump's attacks on the Pope (right) and posting AI imagery comparing himself to Jesus come amid the backdrop of the war in the Middle East, which his defence secretary Pete Hegseth (left) has framed as a religious war. Source: AAP / Graphic art by Eugene Uymatiao

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፡ በቶም ንሱ ብኣምላኽ ከም እተመርጸ ዝኣምኑ ሰባት ዝተከበ እዩ ።

እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እዩ ንየሱስ ወይ ነቶም ቅዱሳን ዝመስል ምዃኑ ምንጽጻር ተጀሚሩ ።

ኣብዚ ሰሙን ፡ ትራምፕ ከም የሱስ ኮይኑ ዘርእይ ዘከራኽር ምስሊ ኤይ.ኣይ. ጠቂዑ ፣ ጸኒሑ ግና ከም ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ኮይኑ ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነ ኽማጐት ጀመረ ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ፡ እታ መንፈሳዊ ኣማኻሪቱ ዝኾነት ፖላ ዋይት-ቃየን ፡ ነቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝገር ድግስ ተጠቒማ፡ ነቲ ቢልዮነር ፕረዚደንት ዝገብሮ ሕጋዊ ቃልስታት ኣንጻር ዉጻእ መዓት ቅትለትን ምስቲ የሱስ ተጻዊርዎ ዝሓለፈ ፈተናታት ብምንጽጻር ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣወዳዲራቶ እያ ።

"ኣሕሊፍካ ተዋሂብካን ተኣሲርካን ብሓሶት ተኸሲስካ ። እዚ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ዝሓለፎ ፍሉጥ መገዲ እዩ " ክትብል ድማ ምስቲ ናይ የሱስ ዝሓለፎ መገዲ ኣተኣሳሲራቶ።

ሓደ ጕጅለ ሰባት ኣብ መንኵብ ዶናልድ ትራምፕ  ኢዶም ኣንቢሮም ኣብዝጸለይሉ፡
ወንጌላውያን መራሕትን ናይ ነዊሕ እዋን መንፈሳዊ ኣማካሪት ዶናልድ ትራምፕ ን ፖላ ዋይት ሓንቲ ካብቶም ኣብ መጋቢት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል ኣብ ሓደ ናይ ጸሎት ኽቢ ዝተካፈሉ መራሕቲ እምነት እያ ነይራ ። Credit: White House

እቲ ርእይቶ ናይቲ ፕረሲደንት ካብቲ እቶም ውፉያት ሃይማኖታውያን ኣማኸርቱን ደገፍቱን ኣቐዲሞም ካብ ዝኸዱዎ ዝነበሩ ንላዕሊ እዩ ከይዱ።

ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ዘረባ ንትራምፕ ምስ "ሕሩያት ኣምላኽ" ዝመሳሰል እዩ ነይሩ ። ብ2024 ካብ እተገብረ ፈተነ ቅትለት ምስ ደሓነ ፡ እቶም ወንጌላውያን ፡ "መለኮታዊ ጣልቃ እዩ" ብምባል ንምኽንያት ድሕነቱ ገሊጾሞ ፣ 'ብኣምላኽ ከም እተባረኸ "ድማ ገለጹ ።

ኰይኑ ግና ፡ እቲ ፕረዚደንት እዚ ኣበሃህላታት፡ ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ኮይኑ ከም ዝሓስብ ገይርዎ ድዩ ?

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኖትረ ዳም ላዕለዋይ መምህር ስነ-ሃይማኖት ዝዀነ ሻውን ብላንቻርድ ን SBS ዜና ከምዚ በለ: - "ብልዑላዊ ስልጣን ሕሩይ ከም ዝኾነ ዘይንጹር እምነት ዘለዎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ።

"ብዛዕባ መጻኢኡ እተፈላለየ ዓይነት መንፈሳዊ ምርዳእ እዩ ዘለዎ: ንስልጣኑ ዝግዛእ ዘበለ ንኵሉ ከም መድሓኒ ገይሩ ይሓስብ እዩ ።"

የሱስ ዝመሳሰል ንሕሙማት ከም ዘሕዊ ገይሩ እተገልጸሉ ናይ AI ስእሊ ዶናልድ ትራምፕ
ዶናልድ ትራምፕ ካብ መራሕቲ ክርስትና ከቢድ ወቐሳ ምስበጽሖ ፡ ነቲ ናይ ኤይ.ኣይ. ስእሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ሰረዞ ። Credit: Truth Social

ትራምፕ ንምስሊ ኣይኣይ ዝሰረዞብኹሉ ወገን ምስተዋጠረ እዩ። እንተዀነ ግን ገለ ሰዓብቲ MAGA ዝዀኑ ሰባት ካልእ ሕቶ ሓቲቶም 'ትራምፕ ጸረ ክርስቶስ ድዩ ? "

"እዚ ንኣምላኽ ምጽራፍ ጥራይ ኣይኰነን እዚ ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ ። " ክትብል ናይ ቀደም ኣባል ኮንግረስ ዝነበረት ማርጆሪ ተይለር ግሪነ ።

ጸላዊት ክርስትያን ማንዲ ኣርተር ብወገና፡ "ዎ ኣምላኽ! ኣብ ጌጋ ጌርና ፡ ብድንገት ከኣ ጸረ ክርስቶስ መሪጽና ክንከውን ንኽእል ኢና" ኢላ ጸሓፈት ።

ብላንቻርድ ፡ እቲ ትራምፕ ዝጠቅዖ ስእሊ ነዚ ሓድሽ ክትዕ ኣከም ዘምጽኦ ገሊጹ።

"ንዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ኣታሊሉ ። ማለተይ ብዙሓት ፡ ብዙሓት ንፉዓትን ሕያዎትን እሩማትን ሰባት ኣለዉ ፣ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ድማ ኣለዉ "በለ ።

'ነዚ ስእሊ ከምዘለዎ ኣይትውሰድዎ'

ይኹን እምበር ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ማእከል መጽናዕቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዝዀነ ዴቪድ ስሚዝ ፡ ትራምፕ ንባዕሉ ሃይማኖታዊ ሰብ ኰይኑ ከም ዘይስምዖ ብምግላጽ ፡ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ቃል ብቓሉ ክወስድዎ የብሎምን ።

ንሱ ንኤስቢኤስ ኒውስ ፡ "ንሱ ንባዕሉ መለኮታዊ ምዃኑ ከም ዝኣምን ዝገልጽ ሓያል ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎ ኣይመስለንን ።" ኢሉ።

ስሚዝ ከምዝበሎ ፡ ትራምፕ ናይ ህዝብታት ዶባት ምስ ናይ AI ምስሊ እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን እዩ ።

"ብዙሓት ሰዓብቲ ክርስትና እኳ እንተ ኣለዉዎ: ንሱ ግን ሃይማኖታዊ ቃል ብቓሉ ኣይኰነን: ንገዛእ ርእሱ ዘኽብርን ዘጉላዕልዕን ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ እዩ ዝልጥፍ ወይ ዝጽሕፍ" በለ ።

"ንገዛእ ርእሱ ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ከም ዝመሰሎ ገይሩ ዘቕርቦ ነገር ምልጣፍ ፡ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ከም ዝኽእል ኣይተገንዘበን ።

"ኣብ መንጎ የሱስ ይሓልየሉ ከም ዘሎ ፡ ርእሱ ከኣ ምስ የሱስ ዝመሳሰል ምዃኑን ፍልልይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን እዩ ።"

ንምንታይ'ዩ ትራምፕ ንሊቀ ጳጳስ ሊዮ ዘጥቅዖም?

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፍሉይ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ፡ ምስሊ ኣይ.ኤ. ጠቂዑ ፣ ኣብቲ መልእኽቱ ፡ "ኣብ ገበን ድኹም እዩ" ፡ "ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ሃገር ከኣ ሕማቕ" ከም ዝዀኑ ነቶም ጳጳስ ገሊጽዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኮኒኖሞ እዮም ፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን " ብዘይጭበጥ ሓያል'የ ዝብል እምነት" ዝጀመረ ኲናት ብምባል ነቒፎምዎ እዮም ።

"ኣምልኾ ጣኦት ፡ ርእስኻ ን ገንዘብን ይኣክል!" ክብሉ ጳጳስ ሊዮ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሮማ ኣብ ዝነበረ ጸሎት ተዛሪቦም። - "ቅልጽምካ ምርኣይ ይኣክል! ኲናት ይኣክል!" ድማ ኢሎም።

ትራምፕ ይቕረታ ኣይሓተተን ፣ እቲ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተዛረቦ ዘረባ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ እተፈጸመ ዓመጽ ፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሮማ ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝነበረ ገለጸ ። "ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገብሮ ዘለኹ ኣዝዩ እዩ ዝቃወሞ ፡ ኑክሌር ዘለዋ ኢራን ክትህልወልካ ኣይክእልን እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መወዳእታ ውጽኢቱ ኣይሕጐስን እዩ "በለ ።

ኰይኑ ግና ፡ ትራምፕ ንጳጳስ ሊዮ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ተጻራሪ ገይሩ ይርእዮም ድዩ ?

ብላንቻርድ ከምዝገልጾ ፡ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ዓብዪ" ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስልጣን ከም ዘለዎም መጠን ፡ ትራምፕ ከኣ በቲ ልሙድ ሜላኡ ክዕወት ዝኽእል ሰብ ከም ዘይኰነ ገለጸ ።

ብላንካርድ ፡ "[ትራምፕ] ንኸምኡ ዝኣመሰለ ሰብ ክዕድግ ፡ ተኣማንነቱ ክዕድግ ፡ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያት ገለ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ፡ ስቕ ምእንቲ ከብሎ የናሽዎ እዩ" በለ ።

"ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ከምኡ ክገብር ኣይክእልን እዩ ። ብዘይካዚ ፡ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመሪካዊ ምዃኖም'ውን ንትራምፕ ተወሳኺ ጽፍዒት እዩ ዝመስለኒ "በለ ።

እቲ ናይ ሰኑይ ስእሊ AI ፡ ኣንጻር'ቲ ፕረሲደንት ናይ ሃይማኖት ምልዕዓል ክገብር ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ እቲ ረሲደንት ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኑ ዝገልጽ ናይ ኤይ-ኣይ. ስእሊ ዘርጊሑ ነይሩ እዩ ። መራሕቲ ካቶሊክ ፡ "ኣይተላግጹልና" ዝብል መጠንቀታ ናብ ዋይት ሃውስ ቀሪቡ።

ብላንቻርድ ፡ ትራምፕ ነቲ ቫቲካን ናብ ጋዛ "ቦርድ ሰላም" ንኽትጽንበር ዘቕረበላ ዕድመ ብምንጻጋ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ድማ ነቲ ኣብ ራብዓይ ዓመት ናይ ሓምለ ጽንብል ፡ ንኣመሪካ ክበጽሑ ዘቕረበሎም ዕድመ ብምንጻጎም ዝመጸ ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን ።

እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ኲናት 'ቅዱስ ኲናት' ድዩ፧

እቲ ንየሱስ ዝመስል ስእል ትራምፕን ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወርድ መጥቃዕትን ፡ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዝገብራኦ ውግእ ፡ "ቅዱስ ውግእ" ከም ዝዀነ ጌርካ ይርአ ኣሎ ።

ንጸሓፊ ምክልኻልን ወንጌላዊ ክርስትያን ዝዀነ ፔት ሄግሰት ፡ ንህዝቢ ኣመሪካ "ብስም የሱስ ክርስቶስ" ዓወት ንኺረኽቡ ኽጽልዩ ጸዊዑ ኣሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ኣብ ፔንታጎን ኣብ ዝነበረ ናይ ኣምልኾ ስነ ስርዓት "ኣብቶም ምሕረት ዘይግብኦም... ብርቱዕ መርገም" ንኺወርድ ጸልዩ እዩ ።

እዚ ዝመጸ ወተሃደራት ኣመሪካ ልዕሊ 100 ጥርዓናት ከም ዘቕረቡ ዝገልጽ ጸብጻብ ናብ ወተሃደራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ፋውንደሽን ኣብዘረብሉን ፡ ኣብቲ ጥርዓን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዙርያ እቲ ውግእ ጥሩፍ ህይማኖታዊ ቋንቋ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ዝገልጽ እዩ ።

ሓደ ካብ ዝጠርዑ ከምዝገልጾ ሓደ ኣዛዚ: "ንሰራዊትና 'ዅሉ ክፋል መለኮታዊ ውጥን ኣምላኽ" ኽንነግሮም ተማሕጺኑና: ካብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ኣርማጌዶን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ምምላስ የሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ሓያሎ ጥቕስታት ኣነጺሩ ጠቒሱ ኣሎ ። "

እቲ ጥርዓን ፡ ብመሰረት ዘ ጋርድያን ፡ እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ፡ ትራምፕ "ኣርማጌዶን ዘምጽእ ምልክት ሓዊ ኣብ ኢራን ክሽርጥጥ ናብ ምድሪ ከም ዝምለስ ምልክት ንኼርእን ኢሉ ፡ ብየሱስ ከም እተቐብአ" እዮም ዝገልጹ ነይሮም ።

ሓድሓደ ግዜ ፡ ኣርማጌዶን ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰናይን እከይን ዝግበር ናይ መወዳእታ ውግእ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ ።

Two men in suits before a lecturn and American flag
US defence secretary Pete Hegseth has framed the conflict in the Middle East as a religious war. Source: SIPA USA / Yuri Gripas - Abaca/Pool via CNP/Sipa USA

ስሚዝ ፡ እቲ ኲናት ከም ሃይማኖታዊ ውግእ ጌርካ ምቕራቡ ን ኣብ ህዝቢ ኣመሪካ ዝህልዎ ጽልዋ ትርጉም ከምዘይብሉ እዩ ገሊጹ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ውግእ ዝምልከት ፖለቲካዊ መልክዕ ከምዘለዎ ንምግላጽ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ገለጸ ።

"እዚ ኣብ መንጎ ክርስትናን ምስልምናን ዝግበር ዉግእዩ ኢልካ ምቕማጥ ጽቡቕ ኣይኰነን ፣ ኰይኑ ኣመሪካውያን ነዚ ኣበሃህላ እዚ ኣይገዝኡዎን ዘለዉ ይመስለኒ ።

"ኣመሪካውያን ብውግእ ብሓቂ ሰልጭይዎም እዮ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝካየድ ውግእ ኣዝዮም ተሃሊሎም እዮም ። ንመብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ድማ ፡ ኣመሪካ ስለምንታይ ምስ ኢራን ናብ ኲናት ተመሊሳ ዝብል ሕቶ ኣዝዩ እዩ ዘደንጽዎም "በለ ።

ስሚዝ ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት በቲ ነዚ ዉግእ ሃይማኖታዊ ከምዝኾነ ዝለጽ ኣበሃህላ "ኣዝዮም ተረቢሾም" ኣለዉ ።

ኣብ ወተሃደራዊ ቻፕሊን (መንፈሳዊ ደገፍ) ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ንኺሕለዉ ወይ ውግእ ንኺቋረጽ ዝጽውዕ ጸሎት ምግባር፡ ናይ ነዊሕ ልምዲ ኣሎ ።

"ሰባት ነዚ እዮም ብሃይማኖታዊ ኣዘራርባ ገይሮም ብዛዕባ'ዚ ውግእ ዝሓስቡ ዘለዉ" በለ

"ሓደ ሰብ ፡ 'ንጸላኢ መጥቃዕቲ ንኺወርዶ ዝጽሊ ዘሎ ሚኒስተር ውግእ" ኢሉ ዝተሰምየ ክሰማዕ ከሎ ፡ እዚ ከኣ ኣንጻር ስርዓታት ክርስትና እዩ ። "


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


7 min read

Published

By Rashida Yosufzai

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now