ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት-ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤሎን ሙስክን ናይ ሪፐብሊካን ሕፁይ ተወዳዳሪ ቪቨክ ራማስዋሚን ነቲ ሓድሽ ዝፍጠር ናይ መንግስቲ ስሉጥነት ዝከታተል ደፓርመንት ክመርሑ መዚዝዎም ።
ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ "ምምሕዳረይ ንቢሮክራስያዊ ኣብያተ ጽሕፈት ከምዘይነበረ ክገብሮም እዩ ፡ እቶም ዘለዉ መጠኖም ዝሓለፎም ስርዓታት ኪጭፍልቕ ፡ ዘየድሊ ወጻኢታት ዝፈጥሩ ኦፊሳት ክቝረጽ ፡ ፌደራላዊ ትካላት ዳግመ ስርርዕ ክገብር እዩ" በለ ።
ትራምፕ ስራሖም ብ4 ሓምለ 2026 ከም ዝዛዝም ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መበል 250 ዓመት በዓል ናጽነት ፡ ብዉሑዱን ዝያዳ ስሉጥን ኣገልግሎታት መንግስቲ ምፍጣር "ውህበት" ከም ዝኸውን ገለጸ ።

እቲ ሽመት ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾኑ ንክልተ ናይ ግሊ ጽላት ዝሸለመ እዩ ።
ማስክ ነቲ ናይ ኤለክትሪክ መኪና ኩባንያ ተስላ ዝመርሖ ኮይኑ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ መድረኽ ኤክስ ከምኡውን ሮኬት ካምፓኒ ስፔስ ኤክስ ዝውንን እዩ ። ራማስዋሚ በቲ ሓደ ሸነኽ መስራቲ ናይ ፋርማሲ ኩባንያ እዩ ፡ ኣንጻር ትራምፕ ንፕረዚደንታዊ ሕጹይ ሪፑብሊካን ድማ ተወዳዲሩ ነይሩ፡ ብድሕርዚ ካብቲ ዉድድር ኣንሳሒቡ ነቲ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ደገፉ ሂቡ ።
ማስክ ኣብቲ ትራምፕ ዝገብሮ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ንምድጋፍ ሚልዮናት ዶላር ኣመሪካ ዝሃበን: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ድማ ምስ ትራምፕ ተራእዩ ነይሩ ።

ትራምፕ ነቲ ኣብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ ዝዀነ ኢሎን ማስክ ዝለዓለ ቦታ ክህቦ ምዃኑ ተማባጺዑ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ ምምሕዳሩ ስሉጥ ዝዀነ ዕዮ ንኽፍጠር ዝገብር ደፓርትመንት ክመርሕ እዩ።
እቲ ሓድሽ ክፍሊ — DOGE — ፡ ምስ ስም እቲ ማስክ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ናይ ክርይፕቶካረንቺ ዶግኮይን ዝሳነ እዩ።
"እዚ በቲ ስርዓት ኣቢሉ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣባኻኒ ቦታታት ዘሎ ዘሰንብድ ማዕበል ኽሰድድ እዩ ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ህዝቢ እዩ!" ክብል ማስክ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምምላሱ ፡ ንጉጅለኡ ድሮ የመዓራሪ ኣሎ ።
ትራምፕ ካልእ ሽመት ዝሃበ ን ተሪር ጸረ ስደት በዓል መዚ ክኸውን ን ቶም ሆማን ብምሻም ን ሱዚ ዋለስ ድማ ናይ ዋይት ሃውስ ዋና ሓላፊት ሰራሕተኛታት ክትከውን እያ ።

