240,000 ኣመሪካዊያን ብኮረናቫይረስ ክሞቱ'ዮም ኣብዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣዚዩ ኣሳቃቒ ሰሙናት ኣብ ቅድሜና ኣሎ ክብል ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቅድሚት ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ንምሕላፍ ኣመሪካዊያን ክዳለዉ ዶናልድ ትራምፕ ጸዊዑ።

US President Donald Trump says the next couple of weeks will be "very painful".

US President Donald Trump says the next couple of weeks will be "very painful". Source: AAP

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰሉስ ኣብዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ "240,000 ኣመሪካዊያን ብኮረና ቫይረስ ከምዝሞቱ ዋይት ሃውስ ግምቱ ሂብሉ ኣብዘሎ እዋን ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ኣዚዩ ኣቐንዛዊ ነገራት ክረአ እዩ።"

"እዚ ኣዚዩ ኣሰቀቓቒ ነገር እዩ፡ ኣዚዩ ኣሰቃቒ ክልተ ሰሙን።" ክብል ንሚስተር ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብዝተገብረ ናይ ፕረስ ኮንፈረንስ ገሊጹ።

ሚስተር ትራምፕ ነዚ ለበዳ "ለብዒ" እዩ ክብል ገሊጽዎ።

"ነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ነዚ ኣብቅድሜና ዝኸውን ሕማቕ ኩነታት ክዳሎ እሓትት ኣለኹ።"  ወሲኹ ገሊጹ።

ላዕለዎት ኪኢላታት ጥዕና ከምዝገልጽዎ፡ ሰለስተ ርብዒ ኣመሪካዊያን ኣብ ዕጹው ኩነታት ቁጠባ ኣዚዩ ዝህሰ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ቫይረስ ብቐሊሉ ናብ ክኡሉ ከይአስፋሕፍሕ ጽኑዕ ማሕበራዊ ምፍንታት ዝብል ዉሳኔ ምጽናዕ እዩ። 

"ተኣምራታዊ ክታበት ወይ መድሃኒት የለን። ኣካይዳኻ ምቕያር ጥራይ እዩ ዘድሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ባህርይና ኣብ ዝመጽእ 30 መዓልታት ነዚ ፈጣን ኣካይዳ እዚ ቫይረስ ዘቐይር ተግባራዊ ባህሪ ምግባር እዩ። " ክትብል ኣብ ዋይት ሃውስ ናይዚ ሕማም ኣወሃሃዲት ደቦራህ ብሪክስ ገሊጻ።

ሚስ ብሪክስ ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ በዚ ዝኽየድ ዘሎ ስጉምትታት ምዕጋት እዚ ሕማም  ካብ 100,000 ክሳብ 240,000 ሞት ኣብ ኣመሪካ ከምዝኽሰት ብቻርት ኣደጊፋ ኣብሪሃ።

 


1 min read

Published

Updated

Source: AFP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now