ዶናልድ ትራምፕ ንኮንግረስ ካብ ዘስምዖ መደረ ቀንዲ ዛዕባታት፥

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው ፡ ንኮንግረስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘስምዖ መደረ ፣ "ኣመሪካ ናብ ቦታኣ ትምለስ ኣላ" ድሕሪ ምባሉ ፡ ኣብ ኻልኣይ ዘመን ስልጣኑ ዘለዎ ራእይ ዘርዚሩ ኣሎ ።

Donald Trump Delivers Joint Address To Congress

Donald Trump said the American dream is "unstoppable" as he addressed a joint session of Congress for the first time since returning to power. Source: Getty / Win McNamee/Getty Images

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መደረ ኣስሚዑ ኣሎ ፡ "ኣመሪካ ናብ ቦታኣ ተመሊሳ ኣላ።" ኣመሪካዊ ሕልሚ "ዝዓግቶ የለን" ብምባል ኣብ ኻልኣይ ዘመን ስልጣኑ ብወግዒ ስርሑ ከምዝጀመረ ኣጕልሐ ።
መደረ ትራምፕ ንሓባራዊ ኮንግረስ ብሓደ ፕረሲደንት ኣመሪካ ካብ ዝተገብረ ዝነውሐ መደረ ዝነውሐ ግዜ ዝተባህለሉን፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝጸንሐ ኰይኑ ፡ ንመጻኢ ዝኸውን ተባዕ መብጽዓታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ ።
እቲ ወዲ 78 ዓመት ሪፐብሊካዊ ቢልዮነር ፡ ብቐጥታ ኣብዝመሓላለፍ ዝነበረ ስርዓት ፡ ኣማኻሪኡ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ኣብ ዝተረኽበሉን እዋን ፡ ነታ ሃገር ዳግም ንምህናጽ ኣብ ዝገለጾ መደብ ፡ "ገና ሕጂ እዩ ተጀሚሩ" ኢሉ ።
ትራምፕ ነቲ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ስልጣኑ ዝጸንሓሉ ዝረኸቦ ዓወታት ብምምጓስ፡ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዳግም ንምሕዳስን ውግእ ዩክረይን ደው ንምባልን ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ዝቕጽሎ ቃል ኣተወ ።
"ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ወይ ሸሞንተ ዓመት ዝግበር ናይ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ፡ ኣብ ውሽጢ 43 መዓልቲ ዓሚምናዮ ኢና ፣ ገና እውን ንጅምር ኢና ዘለና።" ድሕሪ ምባሉ እሙናት ፖለቲከኛታት ፡ "USA USA!" ኢሎም ክጭድሩ ተሰሚዖም ።
ካብ ዘረባኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ቀጺሎም ዘለዉ እዮም ነይሮም።

ዝግበር ግብሪ (Tariffs ) ኣብ ቁጠባ ኣመሪካ ግዚያዊ ምርባሽ ከኸትል ይኽእል ይከውን

ትራምፕ ነቲ ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ዝጀመሮ ናይ ንግዲ ኩናት ቁጠባዊ ጽልዋ ክገብርዩ ዝበሃል ኣዋዲቕዎ። ከምዝፍለጥ ኣብ ሜክሲኮን ካናዳን 25 ሚኢታዊ ቀረጽ ፡ ካብ ቻይና ናብ ሃገር ዝኣቱ ድማ 10 ሚኢታዊ እዩ ።
ቊጠባ ኣመሪካ ካብቲ ዝግበር ቀረጽ "ዉሑድ ምርብባሽ" ከጋጥሞ ከም ዝኽእል እኳ እንተ ተኣመነ ፡ እቲ ቀረጽ ከም ዘስፋሕፍሕ ምግባሩ ግና ፡ ኣብ መወዳእታኡ ዘቤታዊ ኢንዳስትሪ ከም ክድንፍዕ እዩ ክገብር ኢሉ።
"ቀረጽ ንኣመሪካ ከም እትህብትምን ከም ክትዓቢ ይገብራ እዩ" ድማ ኢሉ ።
"ከምኡ ድማ ኰይኑ ኣሎ ። ቀልጢፉ ድማ ክኸውን እዩ ። ቁሩብ ክርበሽ ይኽእል እዩ ፡ ግን ደሓን ኢና ። ብዙሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ "በለ ።
ሓረስቶት ሓደ ካብቶም ዝጽለዉ ጽኮይኖም ፣ ትራምፕ ንኢንዱስትሪ ሕርሻ "ቅሩብ ተጸበዩኒ" ኢሉ ተማሕጺንዎም ።
ትራምፕ ፡ ቁጠባ ሕርሻ ንምልዕዓል ብኸመይ መደብ ከም ዘለዎ ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝወጽእ ፍርያት ሕርሻ ፡ ቀረጽ ኣመሪካ ምውሳኹ ፡ ዘቤታዊ ንግዳዊ ርክባት ከም ዝከላኸል ገሊጹ ።
እንተኾነ ቀረጽ ንናይ ሕርሻ ፍርያት ናብ ኣመሪካ ንኸይኣቱ ምሉእ ብምሉእ ኣይዓግቶን እዩ ፡ እንተኾነ ግን ንተጠቀምቲ ዝያዳ ክኸብሮም እዩ።

'ድሕሪ ደጊም ዓብላልነት የለን'

ትራምፕ ነቲ "ኣስገዳድ" ናይ ብዙሕነትን ሓቛፍነትን (diversity and inclusion) መደባት ኣብ መላእ ፌደራላዊ መንግስቲ ከም ዘብቅዖ ብምግላጽ: ኣመሪካ "ደጊም ኣይክትስግደድን እያ" ኢሉ መብጽዓ ኣተወ ።
"ወግዓዊ ፖሊሲ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ክልተ ጾታ ኣለት ተባዕታይን ኣንስተይትን ጥራይ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ትእዛዝ ከቲመ" ድማ በለ ።
እቲ ትራምፕ ዝሃቦ ትእዛዝ ፡ ክልተ ወግዓውያን ጾታጥራይ ከም ዘለዉ ፡ ንመሰላት እቶም ካልእ ጾታዊምንነት ዘለዎም ሰባት ዒላማ ዝገበረ ካልእ ስምምዕ እውን ከም ዝዀነ ይገልጽ ።
እቲ ትእዛዝ ነቶም ጾታኦም ዝቐየሩ ኣባላት ሰራዊት ንኽባረሩ መገዲ ዝኸፈተ ኮይኑ፡ ኣብ ፓስፖርት ንዝግበር ምልውዋጥጾታ ዝኽልክል ከምኡ "ውን ኣብ ናይ ስቶንዋል ናዕብታት ንምዝካር ካብ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝወጹን ዝገብር እዩ ።

ኲናት ኣንጻር ምስግጋር ሓሽሽ

ትራምፕ ኣብቲ ጾታዊ ዓመጻን ቅትለትን ከም ዝፈጸመ ከምኡውን ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ "ከቢድ ስግኣት ከም ዘውረደ" ዝኸሰሶ ናይ ሜክሲኮ ካርተል ሓሽሽ 'ኽዋጋኦ "ተመባጺዑ ኣሎ ።
"እቲ ካርተላት ኣብ ኣመሪካ ውግእ የካይድ ኣለዉ ፣ ኣመሪካ ድማ ኣንጻሮም ትገብሮ ውግእ ግዜኡ እዩ ተካይዶ ድማ ኣላ" በለ ።

ኣመሪካ በዚኾይኑ በቲ ንግሪናንድ ክትቆጻጸራ እያ፡

ትራምፕ ንህዝቢ ርእሰ ምምሕዳር ክሊ ዴንማርክ "ክንከላኸለልካ ኢና" ብምባል ቃል ኣትዩ፡ ንግሪንላንድ ንምውናን ዝነበሮ ባህጊ ከም ብሓድሽ ገለጸ ።
"ዓለምለኻዊጸጥታዊ ድሕንነት ብሓቂ የድልየና እዩ ፡ ነዚ ድማ ክንረኽቦ ኢና ኢለ እየ ዝሓስብ ። ብሓደ መገዲ ወይ ካልእ መገዲ ክንረኽቦ ኢና "በለ ።
"ብሓንሳእ ፡ ንግሪንላንድ ቅድሚ ሕጂ ሓሲብካዮ ዘይትፈልጥ ናብ ዓብዪ ነገር ኽንወስዳ ኢና ።"

ትረኣምፕ ንዘለንስኪ ኣጠንቂቑ

ትራምፕ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ እተዛረቦ ነቐፌታ ኣልዒሉ ።
እንተኾነ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መደረኡ ግን ካብታ ኣብ ድሮ እታ መዓልቲ ካብ ዘለንስኪ እተላእኸት ደብዳበ ኣንበበ ።
"እታ ደብዳበ ፡ ዩክረይን ነባሪ ሰላም ምእንቲ ከተስፍን ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብቲ ናይ ድርድር ጣውላ ክትመጽእ ድልውቲ ምዃና ዝገልጽ እዩ" በለ ።
" ካብ ዩክሬናውያን ንላዕሊ ሰላም ዝደሊ የለን ። ኣነን ጋንታይን ኣብ ትሕቲ ሓያል መሪሕነት ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰላም ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና" ብምባል ድማ ካብታ ደብዳበ ኣንበበ ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service