በቲ ሓደጋ ክልተ ሰብ ጥራይ ብምማቶም ካብቲ ሓደጋ ብዙሓት ብዘይምማቶም ተኣምር'ዩ ክብሉ ሰብ መዚ ገሊጾም።
እቲ ካብ ሲድኒ ናብ መልበርን 153 ሰባት ጽ ዒኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ XPT diesel locomotive በዓል ሓሙሽተ ባጎኒ ብሓሙስ'ዩ ካብ መልበርን ብሰሜን 45 ኪሎመተር ርሒቑ ካብ መስመር ባቡር ወጺኡ ሓደጋ ወሪዱ።
"ብዙሕ ህዝቢ ብዘይምጉድኡ ተገሪመ እየ፡ እዚ ብሓቂ ተኣምር እዩ።" ክብል ኢንስፐክቶአ ፒተር ፍሲናቶ ገሊጹ።
ሓደ ሰብ ነቲ ዘዋሪ ባቡር ንኸድሕን ኣብዝገበሮ ፈተነ ከምዝተጎድአን ኢንስፐክቶር ፍሲናቶ ገሊጹ።

20 ሰባት ኣበይ ከምዘለዉ ኣይተፈልጠን። ንዝምልከቶም ናይ ኣድሕን ኣካላት ከይሓበሩ ዝኸዱን፥ ወይውን ቲኬት ገዚኦም ዘይተሰቕሉ ሓበሬታ ንምርካብ ፖሊስ ህዝቢ ክተሓባበር ሓቲቱ ኣሎ።
ካብ ሲድኒ ንወዶም ክበጽሑ ናብ መልበርን ኣብቲ ባቡር ዝነበሩ ሰብ ኣይን ሰበይቲን ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ሓደጋ ኣብዝወረደሉን ድሕሪኡ ዝነበረ ኩነታትን ኣዚዩ ዘሰክሕ እዩ። ኢሎም።
"ሞት ኣንልዕሌኻ ኣንጠልጢሉ ኢኻ ትርእዮ። ናብቲን ናብቲን ኢኻ ትደራበ፥ ብልዕሌኻ ጠራሙዝን ሓጻውንን ክወናጨፍ ኢኻ ትርእይ።" ክብል እቲ ሰብኣይ ገሊጹ።

"ካብ መስመሩ ወጺኡ ክሳብ ደው ዝብል ክሳብ 150 መተር እዩ ከይዱ፡ ገለ ባጎኒ ድማ ተገማጢሉ።" ክትብል እታ ሰበይቲ ዝረኣየቶ ገሊጻ።
እታ ሰበይቲ ወሲኻ፡ "በዚ ብጣዕሚ ኢና ሓዚና፡ ሎሚ ንግሆ ክልተ ንስራሕ ወፊሮም ናብ ገዝ ኦም ኣይተመልሱን።"
እቲ ባቡር ካብ ሰንትራል ስተሽን ሲድኒ ሰዓት 7.40 ንግሆ ተበጊሱ, ኣብ ሳውዘርን ስተሽን መልበርን ሰዓት 6.30 ናይ ሚሸት ክኣቱ እዩ እቲ መደብ ኔሩ።

