ሎሚ ንግሆ ኣብ መቐለ ንኻልኣይ መዓልቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮን መጥቃዕቲ ከምተፈጸመ ተገሊጹ።

Capture.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ሎሚ ንግሆ ኣብ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምተፈጸመ ተገሊጹ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ክ/ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር “ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሉን ኣቑሲሉን” ክብል ጽሒፉ ኣሎ።

ትማሊ ብተመሳስሊ ዜና ኣብ መቐለ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ ብ ኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ንግሆ ሰሉስ፡ 13 መስከረም 2022 መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ ኔሩ።

ሓይሊታት ትግራይ ከምዘፍለጥዎ፡ “መንግስቲ ፌደራል ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ -ድሮን ፈጺሙ” ክብሉ ከሲሶም እዮም።

ሜዲካል ዳይረክተር ዓይደር መወከሲ ሆስፒታል፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ፡ “ኣብ መቐለ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ” ክብል ንቢቢሲ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ቢቢሲ ጸብጺቡ እዩ።

ኣብ ተመሳስሊ ዕለት ህንጻ ድምጺ ወያነ መራኸቢ ብዙሃን ብድሮን መጥቃዕቲ ከምዝወረዶን ኣብ ንብረትን ሰብን ማህሰይቲ ከምዝወረደ ተገሊጹ እዩ።

መጠን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ብንጹር ክፈልጥ'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ሓደ ኣብ ርእሱ ከቢድ ዝወረዶ ግዳይ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ድሮ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ ከምዘሎ፡ ዶ/ር ክብሮም ይጠቅስ።

እዚ ድማ መራሕቲ ትግራይ ንቕልጡፍ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ድልዋት ምዃኖም ብወግዒ ድሕሪ ምግላጾም ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ነዚ ክስታት ምላሽ ኣይሃበን።

Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሎሚ ንግሆ ኣብ መቐለ ንኻልኣይ መዓልቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮን መጥቃዕቲ ከምተፈጸመ ተገሊጹ። | SBS Tigrinya