ሎሚ ንግሆ ኣብ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምተፈጸመ ተገሊጹ።
ወሃብ ቃል መንግስቲ ክ/ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር “ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሉን ኣቑሲሉን” ክብል ጽሒፉ ኣሎ።
ትማሊ ብተመሳስሊ ዜና ኣብ መቐለ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ ብ ኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ንግሆ ሰሉስ፡ 13 መስከረም 2022 መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ ኔሩ።
ሓይሊታት ትግራይ ከምዘፍለጥዎ፡ “መንግስቲ ፌደራል ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ -ድሮን ፈጺሙ” ክብሉ ከሲሶም እዮም።
ሜዲካል ዳይረክተር ዓይደር መወከሲ ሆስፒታል፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ፡ “ኣብ መቐለ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ” ክብል ንቢቢሲ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ቢቢሲ ጸብጺቡ እዩ።
ኣብ ተመሳስሊ ዕለት ህንጻ ድምጺ ወያነ መራኸቢ ብዙሃን ብድሮን መጥቃዕቲ ከምዝወረዶን ኣብ ንብረትን ሰብን ማህሰይቲ ከምዝወረደ ተገሊጹ እዩ።
መጠን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ብንጹር ክፈልጥ'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ሓደ ኣብ ርእሱ ከቢድ ዝወረዶ ግዳይ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ድሮ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ ከምዘሎ፡ ዶ/ር ክብሮም ይጠቅስ።
እዚ ድማ መራሕቲ ትግራይ ንቕልጡፍ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ድልዋት ምዃኖም ብወግዒ ድሕሪ ምግላጾም ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ነዚ ክስታት ምላሽ ኣይሃበን።