SKIP TO MAIN CONTENT

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብደብዳብ ድሮን ሰላማዊያን ሰባት ከምተጎድኡ ተገሊጹ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ብ ኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ኣብ ወጋሕታ ሰዓት 4: 30 ኣብ ደስታ ሆቴል ዝበሃል ከባቢ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብ ኣብ መንበሪ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት በጺሑ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ሞትን ጉድኣትን ኣካልን ኣብጺሑ፡ ክብሉ ካብቲ ከባቢ ዝመጸ ሓበሬታ ተቓሊሑ።

ናይ ትግራይ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝሓበርዎ ኣብዚ ቅነ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራባዊ ሕጻጽ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝበጽሐ ጉድኣት ክልተ ኣሕዋት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዑ ከምዝቀተለን ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዜና ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ/ም ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ 13 መዓልታት 4 መዓልታት ደብዳብ ድሮን ተኻይዱ።

ካብቶም መጥቃዕቲ ዝተኻየደሎም ትካላት ኣብ ህዝባዊ ሚድያ ድምጺ ወያነ ከምኡ’ውን ዩኒቨርስቲ መቐለ ይርከብዎም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now