ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብደብዳብ ድሮን ሰላማዊያን ሰባት ከምተጎድኡ ተገሊጹ።

Capture.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ብ ኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ኣብ ወጋሕታ ሰዓት 4: 30 ኣብ ደስታ ሆቴል ዝበሃል ከባቢ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብ ኣብ መንበሪ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት በጺሑ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ሞትን ጉድኣትን ኣካልን ኣብጺሑ፡ ክብሉ ካብቲ ከባቢ ዝመጸ ሓበሬታ ተቓሊሑ።

ናይ ትግራይ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝሓበርዎ ኣብዚ ቅነ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራባዊ ሕጻጽ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝበጽሐ ጉድኣት ክልተ ኣሕዋት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዑ ከምዝቀተለን ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዜና ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ/ም ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ 13 መዓልታት 4 መዓልታት ደብዳብ ድሮን ተኻይዱ።

ካብቶም መጥቃዕቲ ዝተኻየደሎም ትካላት ኣብ ህዝባዊ ሚድያ ድምጺ ወያነ ከምኡ’ውን ዩኒቨርስቲ መቐለ ይርከብዎም።



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service