ኤርትራ ብክሲ ንዕጡቓት ሶማል ትድግፍ እያ ዝብል ክሲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣጽዋር እገዳን ንገለ ሰብ መዚ ኤርትራ ድማ ናይ ምንቅስቓስ እግድ ኣብ 2009 ወሲኑዎ ዝነበረ፡ ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ድህሪ ዝገበረቶ ዕርቂ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ማዕቀብ ኣልዒሉላ።
እቲ ዉሳነ ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ኮይኑ፥ ድሕሪቲ ዉሳነ እቲ ባይቶ ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝወሰኖ ዉሳነ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ብመሪሕነቱ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ጽዕሪ ንሰላም ርግኣትን ዕርቅን ሞኊሱ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ክለዓልን ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኤርትራን ዝምድና ክህሉ ላዕሊ ታሕቲ ክትብል ዝወረሐት ሃገር እያ። ድሕርቲ ዉሳኔ ምልዓል ማዕቀብ፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዘውጽኦ መግለጺ እዚ ዉሳነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ክፈጥር እዩ ኢሉ።
ድሕርቲ ዉሳነ ምልዓል ማዕቀብ፡ ወኪል ኤርትራ ኣማኒኤል ጆርጆ ኣብዘስምዖ ቃል “እቲ ማዕቀብ ብዘይዝኾነ መረዳእታ ዝተገብረ መቕጻዕቲን፥ ንነዊሕ እዋን ዝተንጠልጠለ ፍትሒ ሎሚ መልሲ ረኺቡ።” ኢሉ።
“ኣብ መጻኢ፡ ኤርትራ ከቢድን ዝተሓላለኸ ኩነታት ይጽበያ ከምዘሎ” ዝገለጸ ኣቶ ኣማኒኤል “ሰላም ዘለዎ ዞባ ንምፍጣር ምስ ጎረባብታ ብዝተዓጻጸፈ ስራሕ ክትሰርሕ እያ።” ኢሉ።

