ኣብ መወዳእታ መጋቢት ክቃናዕ ዝተሓሰበ 4ይ ዙርያ ቆፀራ ህዝብን ገዛውትን ኢትዮጵያ ንዘይተነጸረ እዋን ተናዊሑ፡፡ ጠንቂ ምንውሑ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይውሑስ ፀጥታ እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ቆፀራ ንዓመታ ይካየድ ዝብሉ ተቓውሞታት ክገጥሙ ዝቐነዩ ኮይኖም ኣብ ክልል ደቡብ እውን ውሑስ ፀጥታ ስለ ዘየለ ናውቲ ቆፀራ ናብ ናቑጣታት ምብጻሕ ከም ዘይተኽኣለ ሰብ መዚ እታ ክልል ገሊፆም፡፡ እታ እንኮ ናውቲ ቆፀራ ህዝቢ ዝተረከበት ክልል ትግራይ ከም ዝኾነት ተሓቢሩ ኣሎ፡፡
እቲ ቆፀራ ዓሚ ክውዳእ ዝግብኦ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩነታት እዩ ናብ ለምዘበን ተሳጊሩ ኔሩ። ንቅድመ ምድላው እቲ መደብ፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ገንዘብ ኣፍሲሳትሉ ሎምዘበን እውን ምስዘይቃናዕ ግን ነቲ ንዓመታ ክካየድ ዝሕሰብ ምርጫ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ካልእ እዋን ናይ ምድፋእ ተኽእሎኡ ልዑል እዩ ዝብሉ አመታት ኣለው።

