ሑስኒ ሙባረክ ንግብጺ ንግብጺ መበል ራብዓይ ፕረሲደንት ኮይኑ ካብ 1981 ኣትሒዙ ን30 ዓመታት ከም ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ብህዝባዊ ማዕበል ካብ ስልጣኑ ኣብ 2011 ተዓልዩ።
ንሱ ኣብቲ ብዓረብ ስፕሪንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ ስልጣኑ ብሓይሊ ድሕሪ ምስተኣልየ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ ኣብ 2017 እዩ ካብቲ ዝቐረበሉ ክሲታት ንጹህ ተባሂሉ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ፡ ነዚ ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ናብ ጎደናታት ካይሮ ወጺኡ ኣንጻር ዉሳነ ቤት ፍርዲ ቁጠዓኡ ገሊጹ።
ናይ ግብጺ ተለቪዥን ከምዝገለጾ ሑስኒ ሙባረክ ድሕሪ ዝተገብረሉ መጥባሕቲ ሰሙናት ጸኒሑ እዩ ሞይቱ።
| Egypt's Mubarak to face retrial over protester deaths |
ሙባረክ ኣብ 1928 ኣብ ሓንቲ ገጠር ናይ ኒል ደልታ ዝተወልደ ኮይኑ ኣብ 1949 ኣብ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ክሰርሕ ጀሚሩ፡ ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ድማ ፓይሎት ኮይኑ ተመሪቑ። ማዕርግ ኣብርእሲ ማዕርግ ብምውሳኽ ኣብ 1972 ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ኮይኑ።
ኣብ እዋን ኩናት ዮም ኪፑር ኣብ ሲና ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ናይ ግብጺ ጀግና ተባሂሉ።
ስርዓት ሙባረክ ንግብጺ ኣብቲ ዞባ እታ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ኮይና ብምቕጻል ዓመታዊ $1.3 ቢልዮን ዶላር ክትቅበል ጸኒሓ።
ሑስኒ ሙባረክ በዓልቲ ቤቱ ሱዛነን ክልተ ደቁ ጋማልን ኣላን ገዲፉ እዩ ሓሊፉ።

