ኣብ እዋን ኮሮና ቫይረስ፡ ንናይ ብጉጅለ ግጭት ንኸይስዕርር ብሰብ መዚ ኤል-ሳልቫዶር ዝውሰድ ዘሎ ቀታሊ መቕጻዕቲ

ኮሮና ቫይረስ ንምዕጋት ናይ 24 ሰዓታት ምዕጻው ተኣዊጅሉ ኣብዘሎ ኣብ ኤል-ሳልቫዶር ዝርከቡ ናይ ጉጅለ ተባኣስቲ ተጨቓጭቖም ክእሰሩ ይግበር ኣሎ።

Inmates are lined up during a security operation under the watch of police at the Izalco prison in San Salvador, El Salvador on the weekend.

Inmates are lined up during a security operation under the watch of police at the Izalco prison in San Salvador, El Salvador on the weekend. Source: El Salvador President Press Office

ኣብዚ ማእከል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ናይ ብጉጅለ ዝግበር ግጭታት ካብ ቁጽጸ ወጻኢ ከይከውን ብምስጋእ እሱራት ኣብ ሓደ ተጨቓጭቖም ክእሰሩ ሰብ መዚ ኤል-ሳልቫዶር  ይገብሩ ኣለዉ።

ብሰራሕተኛታት ቤት ማእሰርቲ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ስእልታት ከምዘመልክቲ፡ ኣማኢት እሱራት ክዳውንቶም ተቐንጢጦም ብሰንሰለት ተተሓሒዞም፡ ብዘይካ ዉሑዳት መሸፈኒ ገጽ ከይወደዩ ኣብ መሬት ሮፍዕ ኢሎም ይረኣዩ።
Only some inmates were given masks to wear during the prison search.
Only some inmates were given masks to wear during the prison search. Source: El Salvador President Press Office
ኣብዚ እዋን ኮረና ቫይረስ ናይ ብጉጅለ ዝግበር ግጭት እናሳዕረረ ብምኻዱ፡ ናይ ኤል-ሳልቫዶር ፕረሲደንት ናዪብ ቡከለ ኣብዚ ሰሙን ዝምልከቶም ሰራዊትን ፖሊስን  'ቀታሊ ሓይሊ' ኣንጻር  ኣባላት ጉጅለ በጋሚዶ ክወስዱ ኣዚዙ ኣሎ።

ኣብታ ናይ ማእከላይ ኣመሪካ ሀገር ዝሓለፈ ዓርቢ 24 ቅትለት ዝተፈጸመ ኮይኑ ሚስተር ቡከለ ኣብ ወርሒ ሰነ ስልጣን ካብዝሕዝ ንነጆ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቅትለት ዝተፈጸመሉ እዩ። እዚ ኩነታት ነቶም ኣባላት ተበኣስቲ ን24 ሰዓታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጥርነቑ ተወሲኑ።

ብእምነት ሰብ መዚ ብድሕሪቲ ዝተፈጸመ ቅትለታት ብትእዛዝ እዞም ተኣሲሮም  እዩ።

ሰንበት ናይ ምሸት ካልኦት ናይ 29 ሰባት ቅትለት ምስሰዓበ ሚስተር ቡከለ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተገደደ ይገልጽ፡ እቲ ፕረሲደንት ብተወሳኺ ከምዝገለጾ እዞም ተበኣስቲ ጉጅለታት ነዚ ቀልቢ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቃልሲ ኮሮና ቫይረስ ተጸሚዶምሉ ዘለዉዎ እዋን ተጠቒሞም ክብለጹ ስለዝደልዩ እዩ ኢሉ።

ናይ ኤል-ሳልቫዶር ናይ እሱራት ዳይረክተር ኦሲሪስ ሉና መዛ እዩ ነቲ ናይቶም እሱራት ዘለውዎ ኩነታት ዝገልጽ ስእሊ ብትዊተር ዘርጊሕዎ።

"ናብቲ መዳጎኒ ሓንቲ ጸረር ጸሓይውን ኣይት ኣትዎን እያ," ክብል ሚስተር መዛ ጽሒፉ።

ሰብ መዚ ማእሰርቲ ኤል-ሳልቫዶር ከምዝገልጽዎ ኣስታት 12,862 ኣባላት ናይ ጉጅለ ተባኣስቲ ተቐፊዶም ይርከቡ ኣለዉ።

 


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ እዋን ኮሮና ቫይረስ፡ ንናይ ብጉጅለ ግጭት ንኸይስዕርር ብሰብ መዚ ኤል-ሳልቫዶር ዝውሰድ ዘሎ ቀታሊ መቕጻዕቲ | SBS Tigrinya