SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራ ኣባል ባይቶ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና

ካብ ምዕራብ ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብቲ ባይቶ ዝውክላ ሃገራት፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩን፡ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ቶጎን ተመሪጸን። ኤርትራ፡ ካሜሩንን ሶማሊያን ኣብ ዉሽጢ ሃገረን ብዘለወን ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ታሪኽ ኣብቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ዉዱብ ወኪለን ክሰርሓ ብቑዓት ኣይኮናን ዝብል ስክፍታን ጥርዓንን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይስማዕ ኣሎ።

UN Human Rights Council
Source: UN

2 min read

Published

Source: United Nations


Skip to article content

ኣብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ኣብዝገበሮ ምርጫ፡ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት  ካብ መላእ ዓለም 18 ሓደስቲ ወከልቲ ሃገራት መሪጹ።

ካብ ምዕራብ ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብቲ ባይቶ ዝውክላ ሃገራት፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩን፡ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ቶጎን ተመሪጸን። ኤርትራ፡ ካሜሩንን ሶማሊያን ኣብ ዉሽጢ ሃገረን ብዘለወን ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ታሪኽ ኣብቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ዉዱብ ወኪለን ክሰርሓ ብቑዓት ኣይኮናን ዝብል ስክፍታን ጥርዓንን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይስማዕ ኣሎ።

ኤርትራ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ፡ መዲያን ሃይማኖትን እሱራት ዘለዉዋ ሃገር አያ። ባዕሉ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብዘይ ክስን ፍርዲን ሰባት ከምዝእሰሩ ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ንዝቐርበሉ ክሲታት ሰብ ኣዊ ግህሰት ክነጽጎ እዩ ጸኒሑ።

ብኻልእ ወገን ካሜሩን ኣብቲ ኣንጻር እቶም ንምግንጻል ዝቃለሱ ናይ ርሑቕ ሰሜን ቦኮሓራምን ትገብሮ ኲናት ሰራዊት ካሜሩን ሰብኣዊ ግህሰት ከምዝፍጽሙ ክሲታት ኣለዋ። ወተሃደራት ካሜሩን ኣብቲ ብኣንግሎፎን ዝፍለጥ ዞባ፡ ዓድታት እናቃጸሉ ብቪድዮ ተቐዲሑ ክኸውን’ከሎ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ድማ ንሰላማዊ ሰባት አናቐተሉ መረዳእታ  ቀሪቡ ኣሎ።

ሶማሊያ ኣንጻር ጉጅለ ኣልሸባብ ዝግበር ቃልሲ ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ብምጥቃም ጥርጡራትን ጋዜጠኛታትን ከምትኣስር ጸብጻባት የመልክቱ። ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ሶማሊያ ብዘይምኽንያት ምስ ዕጡቓት ምትእስሳር ኣለኩም ብዝብል ክሲ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝኣስሩ ተጣበቕቲ መሰላት ይኸሱ።

ኣብ 2017 ኣብ ቶጎ ዝተገብረ ምርጫ፡  ኣንጻር መንግስቲ ዝግበር ኣብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲ ናብቶም ሰልፈኛታት ኣቕኒዖም እናተኮሱ ብካሜራ ተቐዲሖም ኣለዉ። ቶጎ እታ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንኣሜሪካ ደጊፋ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ክትከውን ኣፍልጦ ዝሃበት እያ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብ 47 ወከልቲ ሃገራት ዝቖመን ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ መሰል ክሕሎን ክነግስን ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት እዩ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now