SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራ፥ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትታታ ንዓመታት ተቐይዶም ዘለውን ዝተቐትሉን ዜጋታት መርመራታት ጌራ ከተፍልጥ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

ግዱድ ዕስክርና ናብ ኣገዲድካ ሽቕለት ተቐይሩ ዜጋታት ብዘይ ደሞዝ ወይውን ብዉሑድ ክፍሊት ኣብ ስርሓት ዕደናን ህንጻን ክዋፈሩ የብሎምን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ ኣሎ።

News
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ነቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሃ ዝርከቦም መንግስቲ ኤርትራ ዝኽሰሰሉ  ብዘይሕጋዊ መስርሕ ብሓይሊታት ጸጥታ ዝተቐትሉን ዝተኣስሩን ብዙሓት ኤርትራዊያን መርመራ ጌሩ ግቡእ መልሲ ክህበሉ እቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ኣካል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ንኤርትራ ሓቲቱ ክብል ሮይተርስ ካብ ጀኔቫ ጸብጺቡ።

ግዱድ ዕስክርና ናብ ኣገዲድካ ሽቕለት ተቐይሩ ዜጋታት ብዘይ ደሞዝ ወይውን ብዉሑድ ክፍሊት ኣብ ስርሓት ዕደናን ህንጻን ክዋፈሩ የብሎምን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ ኣሎ።

ፍሉይ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ 2016፥ ቅትለት ምቕጥቃጥ፥ ግብረ ስጋዊ ዓመጽን ባርነት ብዙሓት ዜጋታትን ዝርከቦ  ንኤርትራ ብገበን ሰብኣዊ መሰላት ከሲስዋ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፥ ወትሩ ምስነጸጎን፥ ንኤርትራ ብፍሉይ ኮነ ኢልካ ንምጥቃዕን፥ ዉዲት “ወያነን መንግስቲ ኣመሪካን እዩ” እናበለ ክነጽጎ እዩ ዝስማዕ ኔሩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now