SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራ ኣምሳያ ናይቲ ዝተገብረላ ማዕቀብ፡ ካብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ካሕሳ ሓቲታ።

“ኤርትራዊያን ነቲ ዘይተርፍ ምልዓል እቲ ማዕቀብ ጥራይ ዘይኮኑ ዝሓቱ ዘለዉስ እቲ ብሰንኪ እቲ ማዕቀብ ዝወረደ ዕንወትን ዝተኸስረ ዕድላትን ካሕሳ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።” ብምባል እቲ ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንኣኼባ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ።

Feature
Source: UN

2 min read

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Source: AFP, Reuters, SBS


Skip to article content

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ስለዝገበረት እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ክለዓልን ንዘሕለፈቶ ቁጠባዊ ሓርጎጽጎጽ ካሕሳ ክወሃባ ብቐዳም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንዋዕላ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ብቐዳም ሓቲቱ።

እቲ ኣብ 2009 ብባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ሶማሊያ ይሕግዝ እዩ ብዝብል ኮይኑ ዛጊት ኣይተላዕለን ዘሎ።

እዚ ንልዕሊ 9 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተጻዕነ ማዕቀብ፡ ንሃገሩ ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያ ከምዘውረደን ንህዝቡ ድማ ዘየድሊ ምክልባት ከምዘስዓበን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።

“ኤርትራዊያን ነቲ ዘይተርፍ ምልዓል እቲ ማዕቀብ ጥራይ ዘይኮኑ ዝሓቱ ዘለዉስ እቲ ብሰንኪ እቲ ማዕቀብ ዝወረደ ዕንወትን ዝተኸስረ ዕድላትን ካሕሳ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።” ብምባል እቲ ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንኣኼባ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ።

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መደርኡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም ጉዕዞ ናይ ክልቲኤን ሃገራት  ጸጋታት ናብቲ ዝድለ ቁጠባዊ ምዕባለ ክዉዕል ክግበር እዩ ኢሉ።

ነቲ “ዘይሕጋዊ ማዕቀብ” ዝበሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣባላት ዝኾና ሃገራት ብምስምስ ቅጥዕታት እቲ ማዕቀብ ከይለዓል መገዲ ይዓጽዋ ኣለዋ ኢሉ ከሲሱ።

እተን ዕንቅፋት ኮይነን ኣለዋ ኢሉ ዝኸሰሰን ሃገራት እንተዘይጠቐሰን’ኳ፡ ዲፕሎማሰኛታት ግና ኣመሪካ ብፈረንሳን ብሪጣንያን ተደጊፋ እቲ ማዕቀብ ንኽለዓል ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሽ ከምቅድመ ኩነት ክትጥቀመሉ እያ ትደሊ ይብሉ።

ናይ ኣመሪካ ስቴት ደፓርትመንት ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ቲቦር ናግይ ብ 12 መስከረም ኣብ ናይ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ኣመሪካ ኮነ ኢላ ምስ ኤርትራ ጽምዶ ክትገብር እኳ እንተፈተነት፡ እቲ ኣብ 2009 ዝተነብረ ማዕቀብ ንምእላይ ግዚኡ ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝጽብጽብዎ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ነጻነት ፕረስን ኤርትራ ካብ ዓለም ዝኸፍኤ ምኹኑ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግና ብመንጽር እቲ ኣብ ዓለም ዓቢ ተቐባልነት ዝረኸበ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክርኤ’ከሎ፡ ገለ ሃገራት ነቲ ማዕቀብ ክቕጽል ምድላየን ከምዘገረሞ ገሊጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now