SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራ ን 20 ዓመት ኣሲራቶ ዝፀንሐትጋዜጠኛ ሬድዮ ኢትዮጵያ ከም ዝፈትሐት ተሓቢሩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸፍተ ፍኖተ ሰላም ዝያዳ ንክሕይል ክሲ 43 ኤርትራውያን ክቋረፅ ከምዝገበረ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ኣብዚ ቅንያት አፍሊጡ ኣሎ።

Report
Source: SBS Tigrinya

1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ኤርትራ ን 20  ዓመት ኣሲራቶ ዝፀንሐትጋዜጠኛ ሬድዮ ኢትዮጵያ ዝነበረ ነጋ ተገኝ  ከም ዝፈትሐት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለው። እቲ ጋዜጠኛ ቅድሚ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ምውልዑ ንውልቂ ውራይ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ኲናት ስለ ዝተወልዐ ብኡ ኣቢሉ ከም ዝተኣስረ እዩ ዝግለፅ፡፡

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸፍተ ፍኖተ ሰላም ዝያዳ ንክሕይል  ክሲ 43 ኤርትራውያን ክቋረፅ ከምዝገበረ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ኣብዚ ቅንያት አፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ከምዝበልዎ፥ ቅድሚ ምፍላም  ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ሕጊ ጥሒሶም  ናብ ትግራይ ኣትዮም ጉዳዮም ብሕጊ ተታሒዙ ዝነበረ ኤርትራውያን ክሶም ክቋረፅ ተገይሩ ኣሎ።

መበገሲኡ ርክብ ሓው ክልቲኡ ህዝቢ ዝበለፀ ፀፍሒ ክብርኽ ስለ ዝድለ እዩ ተባሂሉ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ብምኽንያት ተድጋጋሚ ምጥሓስ ዶብ ተኸሲሶምን ጉዳዮም ብሕጊ እናተርኣየ ዝፀንሑ እዮም።

ኣይተ ኣማኑኤል፥ ምስቶም ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኣሰሩ 33 ኢትዮጵያውያን ክሶም ከም ዝተስረዘሎም እውን ገሊፆም።

ዶብ ጥሒስካ ምእታው፥ ብሕጊ መቕፅዒ ገበን ኢትዮጵያን ብኣዋጅ ኢሚግሬሽንን ገበን ኮይኑ ከም ዝተደንገገን ነዚ ገበን ዝጠሓሰ ሰብ ድማ ተሓታቲ ከምዝኸውንን ኣይተ ኣማኑኤል ኣፍሊጦም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now