ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምዕብል ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ብፍላይ ድማ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘለዋ ዝምድና ንኽመሓሽ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብዙሕ ዉጺታት ክህልዎ እዩ ብምባል ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሞጒሶም።
በቲ ናይቲ ባይቶ ፕረሲደንትን ወኪል ኣመሪካን ኒኪኪ ሀሊ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ተጻብኦ ንምፍታሕ መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ ዝተጻወቶ ተራ ንኢዱ።
እቶም ኣባላት ናይቲ ባይቶ ጸጥታ ካብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ “ነቲ ብ16 መስከረም ኣብ ጂዳ ብፕርሲደንት ኤርትራን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራል ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ናይ ሰላም፡ ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕብባርን ስምምዕ ብሓጎስ ተቐቢልናዮ።” ዝብል ነጥቢ ይርከቦ።
ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሓዲሽ ዘመን ሰላም ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕብባርን ከምኡውን ኣብቲ ዞባ ሰላም ጸጥታን ንምድንፋዕ ዝኣተወኦ መብጽዓን እቶም ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ከምተቐበልዎ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ መግለጺ ናይ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ኤርትራ ተነቢርዋ ዘሎ ማዕቀብ ንኽለዓለላ ኣብ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ኣብ ጂዳ ዝተገብረ ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ጂቡቲ ፕረሲደንት ኢስማዒል ዑመር ገለህን ርክብ፡ ኣፍልጦ ሂቡ።
እዚ ርክብ ኣብ መንጎ ጂቡቲን ኤርትራን ሓዲሽ ምዕራፍ ክኸፍት ብምትስፋው ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ትርጉም ዘለዎ ጽምዶ ክኣትዋ እቲ መግለጺ ናይ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣስሚርሉ ኣሎ።
ንዕጡቓት ሶማል ትሕግዝያ፥ ካብቲ ምስ ጂቡቲ ዘሰሓሕብ ቦታት ሰራዊታ ምስሓብ ኣቢያ ብዝብል ክሲ፡ ኤርትራ ካብ 2009 ኣትሒዛ ግዳይ ማዕቀብ ኣጽዋር ኮይና እያ ዘላ።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኣብ ዝገብራኦ ጻዕሪ ከምዝድግፈን ገሊጹ።

