ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ዝርከቡ ኤርትራዊያን ሰማእታቶም ዘኪሮም። ኣብ መቓብር ሰማእታት ኤርትራ ጸጸራት ኣስመራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ሃናጺ ዝርርብ ንምክያድ፡ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ተበግስ ከምዘላ ሓቢሩ።
ኣብዚ ወርሒ ኮሚተ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ንትግባረ ዉዑል ኣልጀርስን ዉሳነ ኮምሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ንምግባር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ አኳ እንተነበረ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ግና ድሒሩ ‘ፈለማ ምስ ህዝቢ ምልዛብ ይግባእ ነይሩ፡ከይበሰለናብ ሜድያ ክወጽ እ ኣይነበሮን” ብምባል ቅሬታኡ ገሊጹ እዩ።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ኤርትራዊያን ተጣበቕቲን ነቲ ኢትዮጵያ ተበጊሳትሉ ዘላ ጉዳይ ምቕባል ዉሳነ ዶብ ክትንትኑ አንተወርሑኳ መንግቲ ኤርትራ ጉዳይ ወግዓዊ ምላሽ ከይሃበ እዩ ጸኒሑ።
Share

