SKIP TO MAIN CONTENT

“ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ መበቆል ዓዶም ክስጎጉ ይኽአሉ እዮም” ቤት ፍርዲ እስራኤል

ዳኛ Feshititsky ን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ብሰንኮም ድማ መጠን ገበን ከምዝዛየደ እዩ ገሊጹ። ነቲ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ዉዑል ሰላም ብምጥቃስ ድማ ኤርትራዊያን ኣብ እስራኤል ዝጸንሕሉ ጊዜኡ ከምዝኣኸለ ናይ መወዳእታ ጻዊዒት ምዃኑ ኣስሚርሉ ኣሎ።

Feature
Source: Asmarino

2 min read

Published

Updated

By Beyene Semere


Skip to article content

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዘተኩር ናይ አስራኤል ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ኣብ ዝሃቦ ሃንደበታዊ ዉሳነ፡ ኤርትራዊያን ሓተትቲ ዑቕባ ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ወሳነ ሂቡ። እቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ክንጸግ  ንዝጸንሐ ጻዕሪታትሪታት ድማ ኮኒንዎ ክብል “The Jerusalem Post” ጸብጺቡ።  

ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ክልተ ጫፍ ዝርከቡ ናይ ስደተኛታት ክትዓት ኣድላይነት ነይዚ ዉሳነ ብምኩምሳዕ፥ እቲ ንምስጓግ ስደተኛታት ዝድግፍ ወገን ዓወት ከምዝተመዝገበ ክገልጽ ከሎ፥ ተጣበቕቲ ስደተኛታት ግና ነቲ ዳኛ ብምንቃፍ ይግባይ ከምዝብሉ ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ ፍርዲ ኣብ ግብሪ እንተዊዒሉ፥ ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ኤርትራዊያን ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ እዩ ክኸውን፥ እቲ ምኽንያት ይብል እቲ ጸብጻብ፥ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ፖለቲካዊ ክርክር፣ እስራኤል ንኤርትራዊያን ስደተኛታት  ናብ መበቆል ዓዶም ክተስጎም ትኽእልያ ዝብል ዉሳነ ንፈለማ እዋን’ዩ ብ ናይ እስራኤል ቤት ፍርዲ ብዘይምምታእ ዝውስን ዘሎ።

እንተኾነ እቲ ዉሳኔ ነቶም ብብዝሒ ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ድሕሪ ኤርትራዊያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ሱዳናዊያን ኣይምልከቶምን እዩ።

እቲ ኣውራ ኣዚዩ ዘሰንብድን ሕጋዊ ፕሮቶኮል ዘይክተልን ጉዳይ ድማ፡ ብፓርላማ እስራኤል ብዛዕባዚ ጉዳይ ዝእመም ሕጊ ብቕልጡፍ ምእንቲ ክሓልፍ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰጊሩ እቲ ናይ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንከነሰት ደገፉ ከምዝህብ ገሊጹ ኣሎ።

በዓል መዚ ህዝቢ፥ ኢሚግረሽንን ዶባትን ነዚ ዉሳነ ተኸቲሉ ኣብዝሓጸረ እዋን ምስጓግ ከምዝጅምር ዛጊት ኣይገልጸን ዘሎ።

ዳኛ Feshititsky ካብቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዉሳኔኡ ንመደዓዓሲ እቶም ስደተኛታት ዝኸውን ሓደ ዉሳነ ወሲኑ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምጥራዝ ክትግበር እንተዘይተኻኢሉ፡ መንግስቲ እስራኤል ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ዘይዉዳእ ሰንፈላል ካብ ምሓዝ መንበሪ ፍቓድ ክህቦም ኣለዎ ዝብል እዩ።

እንተኾነ በቲ ጸብጻብ መሰረት ዳኛ Feshititsky ኔርትራዊያን ስደተኛታት ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ብሰንኮም ድማ መጠን ገበን ከምዝዛየደ እዩ ገሊጹ። ነቲ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ዉዑል ሰላም ብምጥቃስ ድማ ኤርትራዊያን ኣብ እስራኤል ዝጸንሕሉ ጊዜኡ ከምዝኣኸለ ናይ መወዳእታ ጻዊዒት ምዃኑ ኣስሚርሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ኣየለት ሻከድን ናይ ከነሰት ኣቦወምበር ዉሽጣዊ ኮሚተ ዯቭ ኪስች ከምዝገለጽዎ፥ ኤርትራ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ስምምዕ ሰላም ተኸቲሉ ነቲ ጊዜ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ክልተ ዓመት እንተመሊሳቶ ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ክስጎጉ እዮም ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now