SKIP TO MAIN CONTENT

“ኤርትራዊያን ካብ እስራኤል ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ $50 ሺሕ ካሕሳ ክወሃብ ኣለዎ።” ፕረ’ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ፡ መንነት እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ኣጸሊሞም ዑቕባ ዝሓተቱ ክምዝገብን ንነፍሲ ወከፍ ተመላሲ ናይ $50ሺሕ ክወሃብን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝጠለበ ፕረሲደንት ኢሳያስ ገሊጹ።

Isayas Interview
President Isayas Afewerk Source: Tv Er

2 min read

Published


Skip to article content

እቶም በብእዋኑ ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ክወጹ ዝጸንሑ መንእሰያት፡ ስርዓት ንኽልውጡ (Regim change) ብናይ ወጻኢ ሓይሊታት ብዝተወደብ ሸርሒ  ዝተገብረ ፍልሰት እዩ፡ ክብል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንፍልሰት ኤርትራዊያን ገሊጹዎ። እቲ ፕረሲደንት ንናይ ዉሽጢ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ “ዝበዝሐ መንእሰይ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ስለ ዝወሰደ ወይጦታት ገይርካ ናብ ብረታዊ ጎነጽ ቀይርካ ስርዓት ዝቕይር ሓይሊ ምግባሩ ኣየጸግምን’ዩ” ኢሎም ነቶም መንእሰያት ካብ ሃገሮም ክወጹ ዝተገብረ ብውድብ መልክዕ ዝተኻየደ ፍልሰት እዩ ኢሉ። ሓደ መንእሰይ ክመርሖ ዝኽእል ኣካል እንተዘየሊዩ ብሃሰስ ሱዳን ከምዘይኣቱን፡ ኣብ ሱዳን ምስ ኣተወ ንመንግስቲ አኤርትራ ኣጸሊሙ ከም ስደተኛ ይምዝገብ። በዚ መገዲ ሓሊፎም ኣብ እስራአኤል ዝርከቡ መንእሰያት ቁጽሮም በብዓመት እናዓበየ 40 ሽሕ ከምዘለዉ ይግለጽ ግና፡ 20 ሺሕ ከምዝበጽሑን፡ እቲ በዞም መንእሰያት ኣቢልካ ኣብ ኤርትራ ክግበር ዝተሓስበ ምስፈሸለ ንእስራአኤል ጾር ስለዝኾንዋ ከተውጽኦም ከምዝመደበት ይገልጽ እቲ ፕረሲደንት።

እዞም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብመንግስቲ እስራኤል ሕቶ ከምዝቐረበ ዝገለጸ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ “ባዕሎም ተጋግዮም፡ ስድራቤታቶም’ውን ደፋፊኦም ኣብዚ ደረጃ ኣብጺሖሞም” ብምባል ከምዜጋታት መንግስቲ ኤርትራ ክቕበሎም ከምዝኽእልን እንተኾነ ክልተ ቅድመ ኩነታት ንእስራኤል ከምዝቐረበሎም እቲ ፕረሲደንት ኣብቲ ናይ ትማሊ ቃለ መሕትት ይገልጽ። ብቐዳምነት “እቶም 20 ሺሕ ዝበሃሉ ዘለዉ መን ምዃኖም ክንፈልጥ ስለንደሊ ከነመዝግብ ሓቲትና ኣይተፈቕደናን፡” ኢሉ። ብፍላይ እቲ ፕረሲደንት እቶም ኣብ ሃገሮም ተጨቁና ኢሎም ዝሓተቱ መንግስቱ ክፈልጦም ከምዝደሊ እዩ ፈሊዩ ገሊጹ። እቲ ካልኣይ ቅድመ ኩነት፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝምለሱ ዕድሎም ዝተኾልፈ ስለዝኾነ ዕድል ክፍጠረሎም ምእንቲ ብዉሑዱ ናይ ሞያ ስልጠና ምእንቲ ክወሃቦም ኣብ እስራአኤል ዝሓሸ ተክኖሎጂ ስለዘሎ ኣብኡ ክስልጥኑ ተሓቲቱ፡ “ያእ ናብ ኤርትራ ደኣ ክኸዱ ኣለዎም ተባሂሉ፡” መንግስቲ እስራኤል $3500 ዶላር ክህብ ቃል ኣትዩ፡ ምስቲ እዞም መንእሰያት ናብ እስራአኤል ክኣትዉ ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ሓዲሽ ህይወት ክጅምሩ እንተኾይኖም ካሕሳ ክወሃቦም ከምዘለዎ እቲ ፕረሲደንት ይምጉት። “ንሕና ንብሎ ዝነበርና ገምጋም ንነፍስወከፎም ካብ $50 ሺሕ ዶላር ዘይውሕድ ክኽፈል ክኽእል ኣለዎ፡” ኢሉ። እቲ ዝርርብ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ምስ በጽሐ መንግስቲ እስራአኤል ናብ ኡጋንዳ ወይ ናብ ሩዋንዳ ክንሰዶም ኢና ተባሂሉ ከምተወሰነ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብቲ ቃለ መሕትት ይገልጽ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now