SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ቀታሊ መዲጐኒታት ሊብያ ኸምዝግዕዙ ይገበር--ዋዕላ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ጻውዒት የቕርብ

“ካብ ሊብያ ዝመጸ ኣስካሕካሒ ተንቃሳቓሲ ስእልታት ዝማህመኑ፡ ዒጸቦ ዘሳቕዮም፡ ክንክን ሕክምና ዝተኸልከሉ፡ ብርቱዕ ግፍዒ ዝወረዶም፡ ብተደጋጋሚ ዝተጨውዩን ኣሽሓት ኤውሮ በጃ ኽኸፍሉ ብጸለቕ ዝተታሕዘን ርእየ እየ። ብቕልጡፍ ክግዕዙ ኣለዎም፡” ድማ ይብል። ዓሰርተ ሽሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ሉብያ ይማስኑ ኣለዉ።

Libya Refugees,
Source: Abrham Fa

3 min read

Published

Updated

By SBS Tigriinya

Source: SBS


Skip to article content

 (ብራስለስ፡ 13 ታሕሳስ) ኣብዚ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሓላፍነታዊ ኣገባብ ምሕደራ ዋሕዚ ስደተኛታት ይኸውን ዝብልዎ ኣማራጺታት ዘቕርቡለ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ብራስለስ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ልዕሊ 200 ኣባላትን ኣፈኛታትን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግዕዙን ዳግም ክጣየሱን ክግበር፡ ከምኡ ድማ ድሕነቶም ክረጋገጽ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ፖሎቲካዊ ምሕዝነት ኣሐዲሰን ክነሰን፡ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገና ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ብምህሊዉ ከም ውጽኢቱ ዋሕዚ ካብ ሃገሮም ዘምልጡ ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ መሸጣ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይውስኽ ኣሎ። ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝበዝሕ እዋን ጸለቕ ንኽኸፍሉ ጅሆ ተታሒዞም፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናጻ ኸውጽእዎም ኣሽሓት ኤውሮ እናኣከቡሎም፡ ኣብ ኢድ ተሻየጥቲ ኣብ ሉብያ ይሃልቁ ኣለዉ። ኣብ ኢጣልያ ስደተኛ ዀይኑ ዝነብር ኣብርሃለይ ተስፋይ ብኹነታት ናይቶም ኣብ ሉብያ ብዘይተስፋ ዝተረፉ ቤተሰቦም ዒቕሉ ዘጽበቡ ኤርትራውያን ኣዘውቲሮም ዝድውለሉ ጻውዒታት ይቕበል። “ካብ ሊብያ ዝመጸ ኣስካሕካሒ ተንቃሳቓሲ ስእልታት ዝማህመኑ፡ ዒጸቦ ዘሳቕዮም፡ ክንክን ሕክምና ዝተኸልከሉ፡ ብርቱዕ ግፍዒ ዝወረዶም፡ ብተደጋጋሚ ዝተጨውዩን ኣሽሓት ኤውሮ በጃ ኽኸፍሉ ብጸለቕ ዝተታሕዘን ርእየ እየ። ብቕልጡፍ ክግዕዙ ኣለዎም፡” ድማ ይብል። ዓሰርተ ሽሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ሉብያ ይማስኑ ኣለዉ።

ናብ ኢትዮጵያ ዶብ እናሰገሩ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ እዮም ኤርትራውያን ሃገሮም ገዱፎም ዝስደደ ዘለዉ። ብመሰረት ወኪል ምሕደራ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ዝዀነ ተክኤ ገብረየሱስ መዓሾ፡ ካብ 350 ክሳብ 600 ኤርትራውያን መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያ እናሰገሩ ዑቕባ ይሓቱ ኣለዉ። እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኹነታት ኣዝዩ ሕማቕ እዩ። መዛዘሚ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ኩነታት ናብራ መሉሱ ይኸፍእ ኣሎ፡” ኸምዝብለ ይጠቅስ። ብመሰረት ላዕዋይ ሽማግለ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 12 ሚእታዊት ካብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብታ ሃገር ኣምሉጡ እዩ።

 ነቲ ዋዕላ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ብዚዕባ እቲ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሊብያን ዘሎ ኹነታት ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም። “ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ መዓልቲ ብዘሓት ስደተኛታት ክዛረቡ ሰሚዐ። ዛንታታቶም ንምስምዐ ዘስካሕክሕ እዩ፡” ይብል ብረቡዕ ነቲ ዋዕሊ ዝኸፈቶ ምክትል ፕረሲደንት ሕብረ-ኣፍሪቃዊ ባይቶ ቺፍ ፎርቹን ቻሩምቢራ። “ምስክርነታቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘመናዊ ባርነት ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዘመናዊ ባርነት ከይህሉ ዒቕምና ዘፍቅዶ ዘበለ ኽንገብር ኣሎና።”

ምስ ምእታው 2019 መንግስቲ ኤርትራ መሪሕነት ናይቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝምወል ጸረ ምስግጋር ሰባት ዝዀነ መደብ ክቕብል እዩ። እዚ መዝነት እቲ ላዕሎዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ምስ መሸጣ ሰባት ዘለዎም ምትእስሳራት ዘርኢ መርትዖታት ኣብ ቦትኡ እንከሎ እዩ ናብ ኤርትራ ዝሓልፍ ዘሎ። “ኣንጻር መሸጣ ሰባት ንምቅላስ ተወሳኺ ንኸም ኤርትራ ዝኣመሰላ ላዕዎት ሰበስልጣነን ኣብቲ ንግዲ ዝተዋፈሩ ሃገራት ዝወሃብ ምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ሰሙን ክሽድቕ ምዃኑ ብዘሕ ዘሰክፈና እዩ፡” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቲልቡርኽ ኣህጉራዊ ዝምድናታት እትምህር ፕሮፌሰር ሚርያም ፋን ራይሰን። “ስግንጢራዊ ኣገባብ ምሕደራ ስደት፡” ክትብል ድማ ትገልጾ። ወሲኻ፡ “ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ካብ መሸጣ ሰባት ዝኸስቡ ወገናት ገንዘብ ምሃብ ከቋርጾ ኣለዎ ትብል።”


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now