SKIP TO MAIN CONTENT

ኤርትራን ቻይናን ስምምዕ ዓለምለኻዊ መደብ ህንጸት መስመር ንግዲ ቅናትን ጽርግያን ተፈራሪመን። ልኡኽ እንግሊዝ ናብ ትግራይ በጺሑ። (ሓጸርቲ ዜና)

News
Source: Embassy of China in Eritrea

2 min read

Published


Skip to article content

ኤርትራን ቻይናን ስምምዕ ዓለምለኻዊ መደብ ህንጸት መስመር ንግዲ  ቅናትን ጽርግያን ተፈራሪመን።

 ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረማሉ ስምምዕ ኣካል ናይቲ ቻይና ዘበገሰቶ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ክውድእ ትጽቢት ዝግበረሉ  ንምስፍሕፋሕ መስመር ንግዲ ዓለም ዝጥምት መደብ  ቅናትን ጽርግያን (Belt and Road) ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ካይ ገ ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣምባሳደር ቻይና ካይ ገ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓሳብ ፤ ንኤርትራ ቻይናን ከምኡ ውን ኣፍሪቃን ቻይናን ዘርብሕ ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ብተበግሶ ቻይና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝ ብዝብል ዝተጀመረ መደብ ምስፍሕፋሕ መስመራት ንግዲ: ቅናትን ጽርግያን (Belt and Road) ንዓለም ብመሬትን ማያዊ ኣካልን ከራኽብ ተስፋ ዝተነብረሉ እዩ።

 ጉጅለ ልኡኽ ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣሳሊጡ።

 ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኦላስተር ማክፒል ምስ  ፕረዝደንት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ከም ዝተመያየጡ ተገሊጹ ኣሎ።

 ሕመረት እቲ ምይይጥ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊ ዛዕባታት ዘጠቓለለ ከም ዝነበረ ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

 ብካልእ ዜና፣ ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲታት እንግሊዝን ኣሜሪካን ተረኺቦም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

 ቀንዲ ዕላማ እቲ ተቓውሞ ድማ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ካብ ምእታው ክዕቀባ ዝጠልብ እዩ ተባሂሉ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎምዓንቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብዛዕባ ፀጥታ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠብ ሓቲቱ እዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now