ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንኣመሪካ ተሓታቲት ጌራታ።

ኣቶ ሳልሕ ኣብ ደብዳበኡ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንመራሕቲ ህወሓት ን 20 ዓመታት ስለዝደገፎ እዩ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ክፍጠር ተኻኢሉ ክብልውን ንመንግስቲ ኣመሪካ ከሲሱ።

News

Source: MOI Eritrea

ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝሓለፉ 20 ዓመት ንህወሓት ምድጋፉ ብምንቃፍ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ን ኤርትራ ተሓታቲት ምግባር መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ።

ሚ/ር ዑስማን ሳልሕ ፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ምትእትታውን ምፍርራሕን ፡ "ተወሳኺ ግጭትን ምምዝባልን" ከም ዝገበረ ከሲሱ ። "ዕላማ እዚ ዝግበር ዘሎ ግብርታት ፡ ነቶም ተረፍ ስርዓት ወያነ ከም ብሓድሽ ትንፋስ ንምስኳዕ እዩ" ኢሉ ።

ሓደ ሲሶ ካብቲ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ተመዛቢሉ ኣብዘሎ እዋን ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሰራዊት ብምዃን ብብዙሕ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ዝተፈላለዩ ወገና ይኸሱ ኣለዉ ።

 

እቲ ኣቶ ሳልሕ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ቦታ ክስሕቡ ኣህጉራዊ ጻውዒት እኳ እንተቕረበ ፡ ብዛዕባ ምህላው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ግን ኣይጠቐሰን ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንህ.ውሓት ግጉይ ሓበሬታ ብምንዛሕ ዝገበሮ ገበናት ብምሽፋን ገዛእ ርእሱ ዓጢቑ  ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ክዓሉ እዩ ዕላማኡ ብምባል ከሲሱ። "ባይቶ ጸጥታ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን ነቲ ዝብሎ ዳግመ ግምገማ ክገብርን" ሓቲቱ።

ዑስማን ሳልሕ ብተወሳኺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ናይ ሕጂን ዝቐደሙን ሰብ መዚ መንግስቲን ሰራዊትን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ናይ ቪዛ ቀይድታት ኣመልኪቱ " በይናኣዊ ምፍርራሕን ምትእትታውን" እዩ ክብል ነቒፍዎ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service