ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝሓለፉ 20 ዓመት ንህወሓት ምድጋፉ ብምንቃፍ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ን ኤርትራ ተሓታቲት ምግባር መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ።
ሚ/ር ዑስማን ሳልሕ ፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ምትእትታውን ምፍርራሕን ፡ "ተወሳኺ ግጭትን ምምዝባልን" ከም ዝገበረ ከሲሱ ። "ዕላማ እዚ ዝግበር ዘሎ ግብርታት ፡ ነቶም ተረፍ ስርዓት ወያነ ከም ብሓድሽ ትንፋስ ንምስኳዕ እዩ" ኢሉ ።
ሓደ ሲሶ ካብቲ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ተመዛቢሉ ኣብዘሎ እዋን ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሰራዊት ብምዃን ብብዙሕ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ዝተፈላለዩ ወገና ይኸሱ ኣለዉ ።
እቲ ኣቶ ሳልሕ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ቦታ ክስሕቡ ኣህጉራዊ ጻውዒት እኳ እንተቕረበ ፡ ብዛዕባ ምህላው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ግን ኣይጠቐሰን ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንህ.ውሓት ግጉይ ሓበሬታ ብምንዛሕ ዝገበሮ ገበናት ብምሽፋን ገዛእ ርእሱ ዓጢቑ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ክዓሉ እዩ ዕላማኡ ብምባል ከሲሱ። "ባይቶ ጸጥታ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን ነቲ ዝብሎ ዳግመ ግምገማ ክገብርን" ሓቲቱ።
ዑስማን ሳልሕ ብተወሳኺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ናይ ሕጂን ዝቐደሙን ሰብ መዚ መንግስቲን ሰራዊትን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ናይ ቪዛ ቀይድታት ኣመልኪቱ " በይናኣዊ ምፍርራሕን ምትእትታውን" እዩ ክብል ነቒፍዎ ።