“ብሽም ብልጽግና ከም ሓድሽ ወኪል ወይ ተገዛኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት ናይ ጭንቀቶም መርኣያ እዩ።" ፕ/ኢሳያስ ኣፈወርቂ

"ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ናይ ማያት፡ ናይ ኒልን ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ባሕሪ መስኮት፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል 'ኦሮሙማ' ስነሓሳብ፡ ኩሻውያንን ሴማውያንን ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ናይ ኢትኒካት ሓድሕድ ኲናት፡ ህዝቢን መሬትን ዓፈር ከም መድረኽ መጻወቲ ምምዝማዝ ወዘተ፣ እቲ ዕንደራን ምህውታትን ኣብ መወዳእታ ህድማ ንቕድሚትን ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝከኣል፡"

Eritrean President Isaias Afwerki

Credit: Yao Dawei/Xinhua via Getty Images

መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ተጸምቢሉ። ኣብቲ ጽምብል ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢን ተሳቲፉ። ከም ልሙድ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መደረ ኣስሚዑ።

ዝበዝሕ ትሕዝቶ ኣብ ፍለማ መደረ ብዛዕባ ብፕረሲደንት ትራምፕ ዝምራሕ ፖሊሲ ኣመሪካ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣፍሪቃ ብቲ ፖሊሲታት እትውቲ ከምዘአይኮነት ድሕሪ ምብራህ "ብኸመይ ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝመጽኣ ኣርባዕተ ዓመታት ትዋሳእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዘላቕነት ዝህሉዎ ርትዓዊ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ምምጻእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡ ዛጊት ተነዲፉ ዘሎ ፖሊሲታትና ከሊስና ከነስፍሕን ከነዕምቝን ዝሕግዝ እዩ፡" ክብል ገሊጹ

ድሕሪ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሰፊሕ ትንተና ኣብ ዞባዊ ዛዕባ ዘተኮረ መደረ ናይቲ ፕረሲደንት ኣብ ሱዳን ዘአሎ ሕንፍሽፍሽን ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወጻኢ ነቲ ዝዓቢ ዝነበረ ፖለቲካ ሱዳን ናብ ሕንፍሽፍሽ ከምዝሽመሞ ገሊጹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኢትዮጵያን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ዘነጻጸረ'ውን ተሪር ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ተፈጢሩ ዝነበረ ለውጢ፡ "ትስፉው ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ፡" ኢሉ ብምግላጽ፡ እዚ "ዘሰናበዶም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይቀሰኑን፡" ክብል ተዛሪቡ።

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ብልጽግና ዘካይዶ ዘሎ “ቅሉዕን ብውሽጠ ውሽጢ ሸርሒ ብምንቃፍ ” "ኣብ ውሽጢ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጥራይ፡ ብሽም ብልጽግና ከም ሓድሽ ወኪል ወይ ተገዛኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት ናይ ጭንቀቶም መርኣያ እዩ፡" ክብል ገሊጺዎ።

ኣብ መወዳእታ ንዘቤታዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ "ጥሙር ልምዓታዊ መኸተ ኣብ መስርሕ ኣሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።


Share

Published

Updated

Presented by SBS TIgrinya
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service