መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ተጸምቢሉ። ኣብቲ ጽምብል ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢን ተሳቲፉ። ከም ልሙድ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መደረ ኣስሚዑ።
ዝበዝሕ ትሕዝቶ ኣብ ፍለማ መደረ ብዛዕባ ብፕረሲደንት ትራምፕ ዝምራሕ ፖሊሲ ኣመሪካ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣፍሪቃ ብቲ ፖሊሲታት እትውቲ ከምዘአይኮነት ድሕሪ ምብራህ "ብኸመይ ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝመጽኣ ኣርባዕተ ዓመታት ትዋሳእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዘላቕነት ዝህሉዎ ርትዓዊ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ምምጻእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡ ዛጊት ተነዲፉ ዘሎ ፖሊሲታትና ከሊስና ከነስፍሕን ከነዕምቝን ዝሕግዝ እዩ፡" ክብል ገሊጹ
ድሕሪ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሰፊሕ ትንተና ኣብ ዞባዊ ዛዕባ ዘተኮረ መደረ ናይቲ ፕረሲደንት ኣብ ሱዳን ዘአሎ ሕንፍሽፍሽን ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወጻኢ ነቲ ዝዓቢ ዝነበረ ፖለቲካ ሱዳን ናብ ሕንፍሽፍሽ ከምዝሽመሞ ገሊጹ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኢትዮጵያን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ዘነጻጸረ'ውን ተሪር ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ተፈጢሩ ዝነበረ ለውጢ፡ "ትስፉው ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ፡" ኢሉ ብምግላጽ፡ እዚ "ዘሰናበዶም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይቀሰኑን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ብልጽግና ዘካይዶ ዘሎ “ቅሉዕን ብውሽጠ ውሽጢ ሸርሒ ብምንቃፍ ” "ኣብ ውሽጢ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጥራይ፡ ብሽም ብልጽግና ከም ሓድሽ ወኪል ወይ ተገዛኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት ናይ ጭንቀቶም መርኣያ እዩ፡" ክብል ገሊጺዎ።
ኣብ መወዳእታ ንዘቤታዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ "ጥሙር ልምዓታዊ መኸተ ኣብ መስርሕ ኣሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።