"ኣብ ኤርትራ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ብምሉእ ጥሕሰት ሕጊ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።" ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

ናዳ ኣል-ናሺፍ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ መሰረታዊ ናጽነት ሰባት ይቕጽል ከም ዘሎን "ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየን" ኣጠንቂቓ ።

Nada Al-Nashif

Credit: UN

ወተሃደራዊ ባርነት

ሚስ ኣል-ናሺፍ ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትግራይ ግጭት እናሓየለ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዝገደደን ፡ ብመሰረት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ዝብል ስምምዕ፡ እቲ መስርሕ ምውጻእ "ኣዝዩ ቀስ ዝበለን ብዙሕ ዘይተማልአን" ምዃኑ ገሊጻ ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቤት ጽሕፈት ካብ ሕዳር 2021 ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ናይ ጽልኢ ቅትለትን ተግባራትን ምፍጻሞም ዝቐረበ ጸብጻብ ስዒቡ ፡ ናይ ተሓታትነት መስርሕ ብኤርትራ ኣይተመስረተን ኢላ። እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምክትል ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ቀጺላ ። "ኤርትራ ነዚ ጸብጻብ 'ዚ ነጺጋቶ' ላ ፡ ነቶም ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበሩ ገበነኛታት ድማ ብዘይቅኑዕ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኣፍቂዳ ኣላ ። ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር ዘሎ ስርዓተ-ፍርዲ ነቶም ገበነኛታት ተሓተትቲ ክገብሮም ዝኽእል ናይ ሓቂ ተስፋ የለን "በለት ።

ግዱድ ዕስክርና

ፍልይቲ መርማሪት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤርትራ ነዚ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ገምጋም ብምቅላሕ ፡ ኣብ ኣስመራ ፡ ሰገነይቲ ፡ ሔቦ ፡ ኣኩሩር ፡ ዓዲ ቆንጺ ፡ ደግራ ፡ ዓደገን ዲግሳን ፡ ብ "ግፋ" ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ዕስክርና ዝካየደሎም ቦታታት ፡ "ኣዝዩ ከም ዝሓየለ" ጠቒሳ ።
"ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ኣባይቶም ተሰጒጎም: ነቶም ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራቤቶም ወይ ኣዝማዶም ኣሕሊፎም እንተ ዘይሂቦም: ኣብ ደገ ክነብሩ ይግደዱ: ብዙሓት መንእሰያት ካብቲ ግዱድ ዕስክርና ከምልጡ ተሓቢኦም: አረ ሓድሓደ ግዜስ ኣብ ዱር ይነብሩ ኣለዉ: " ኢላ ።
"ኣብ መስከረም 2022 ካብ 40-66 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሽሓት ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ናብ ትግራይ ከይዶም ንኽዋግኡ ተገይሩ"፡ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ነቲ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡ "እቲ ኩነታት ንኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ክሃድሙ ምድፍፋእ ይቕጽል ከም ዘሎ" ወሲኹ እቲ ጸብጻብ ኣብሪሁ።

ህጣሞም ዘጥፍኡ፡ ግናኸ ዘይርስዑ ዜጋታት ኤርትራ

ሚስተር ባቢከር ብተወሳኺ ብዛዕባ "ቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ፡" ገሊኦም ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓቒቖምም "ኢሉ ።
16 ጋዜጠኛታት ከም በዓል ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝተራእዩ ኮይኑ ፡ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዝኣሰሩ ጋዜጠኛታት ከምዝኾኑ እዩ መሓመድ ዓብዱልሳላም ባቢከር ነቲ ባይቶ ሓቢሩ ።
እታ ፍልይቲ መርማሪት ናብ ናይ መሰላት ፎረም ዘቕረበቶ እዋናዊ ሓበሬታ "ውን ብዛዕባ እቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ብ" G-15 "ዝፍለጡ ናይ ቀደም ኣባላት መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣገንዚባ ።

ዘሕዝን ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት ቆልዑ

ጓል 15 ዓመት እንከላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ዝስማ ኣመሪካዊ ዜግነትን ጓልን ናይ ሓደ ሚኒስተር ሓበሬታ ነበር ኣበይ ከም ዝኣተወ እውን ብንጹር ኣይተፈልጠን ።

"ኣብ ኩሉ እዚ ጉዳያት ፡ ኤርትራ ሃለዋት ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ብምሕባእ ፡ ሓርነት ከም ዝኸልከለት ኣፍልጦ ኣይሃበትሉን ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጊ ወጻኢ ትገብር ኣላ" ሚስተር ባቢከር ንጀኔቫ ኣብ ዝሃቦ ፎረም ገሊጹ ። "ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዝጠፍኡ ሰባት ገይሮም ክቘጽርዎም ተቐባልነት የብሉን ።"

እታ ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ንኽመሓየሽ ካብ ቤት ምኽሪ ዝለዓለ ጸቕጢ ንኽግበረላ ኣብ ዘቕረበቶ ጻዊዒት እታ ሃገር "ግዝኣተ ሕጊ: ሕገ-መንግስቲ: ሃገራዊ ባይቶ: ነጻ ፍርዳዊ ኣካል: ከምኡውን ደሞክራስያዊ ማሕበረሰብ" ከም ዘይብላ ገሊጻ ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሲቪክ ቦታ ክሳብ ሕጂ ቅዩድ እዩ ፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን የለን ፡ ከምኡ "ውን ዜጋታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሃንደበታዊ ማእሰርትን ምስዋርን ወይ ምስዋርን ሞትን የጋጥሞም።" ይብል ።



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
"ኣብ ኤርትራ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ብምሉእ ጥሕሰት ሕጊ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።" ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት | SBS Tigrinya