ኤርትራዊት ኣውስትራልያዊት ሳሚያ ባሆ ናይ ዓመተ 2020 ዝለዓለ ኣውስትራልያዊ ክብሪ ካብ ዝተቐበሉ ኮይና

ኤርትራ ዝመበቆላ ኣውስትራልያዊት ሳሚያ ባሆ ኣብ 'መዓልቲ ኣውስትራልያ' ሓንቲ ካብ'ቶም ናይ'ዚ ዓመት ዝለዓለ ኣውስትራልያዊ ክብሪ ዝተቐበሉ ሰባት ኮይና።

Samia Baho

Source: ABC News - Sean Warren

ገለ ኣውስትራልያውያን ኣብ ዓመተ 2020 ሓንቲ መዓልቲ'ውን ትኹን ዕረፍቲ ኣይወሰዱን።

ገለ ጽጉማት መታን ክሕግዙ ኢሎም ኩሉ ነገር ጠንጢኖሞ፡ ካልኦት ነቶም ተፈጥሮኣዊ መስሕባትና ክከላኸልሎም ደው ኢሎም።

ካልኦት ከኣ ምሉእ ህይወቶም መሰላት ደቀባት ኣውስትራልያውያን ንምምሕያሽ ወፍዮሞ።

ኣብ ናይ'ዚ ዓመት በዓል 'መዓልቲ ኣውስትራልያ' 844 ሰባት ዝለዓሉ ክብርታት ናይ'ዛ ሃገር ተቐበልቲ ኮይኖም።

ብወኪል ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ኣውስትራልያ ወይ ጋቨርነር ጀነራል (Governor-General) ዝያዳ ብዝሒ ዘለወን ደቀንስትዮ እዚ ክብሪ ክዋሃበን ቆራጽነት ዝመልኦ ጻዕርታት እንተነበረ'ኳ ኣብ'ዚ ዓመት ካብ ዝተቐበሉ 36.7% ጥራይ'የን ደቀንስትዮ ኔረን- ካብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 41.6% ዝወሓደ ማለት'ዩ።

ሓንቲ ካብ'ቶም ናይ'ዚ ዓመት ተሰላሚት እዚ ክብሪ ኤርትራ ዝመበቆላ ኣውስትራልያዊት ሳሚያ ባሆ እያ።

 

ካብ ቪክቶርያ ዝኾነት ሳሚያ ኣብ'ዚ ዓመት ኣፍልጦ ዝወሃባ ዘሎን ተሰላሚት ናይ ክብሪ ሜዳልያ (Medal of the Order of Australia ) ዝኾነትን በቲ ንማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ዘበርከተቶ ኣገልግሎት እዩ።

ንሳ ናብ ኣውስትራልያ ስደተኛ ኮይና መጺኣ ዝበዝሐ ግዜኣ ነተን ካብ ሳሕል ኣፍሪቃ ዝኾና ደቀንስትዮ ጾታውን ክወልዳ ዝሕግዘን ውጽኢታት ጥዕና ኣብ ምምሕያሽ ኣወፍያቶ።  

ሳሚያ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኣውስትራልያ ዝጸንሐ ኣረኣእያ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ኣብ ምብዳህ ካብ'ተን ቀዳሞት ወይ ፈለምቲ ብምዃና ተናኢዳ።

 

ሳሚያ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ይገብር ናብ ኣውስትራልያ ከም ኤርትራዊት ስደተኛ ኮይና ምምጽኣ ነዚ ናይ ሕጂ ናይ ምጥባቕ ስርሓ ቀሪጽዎ'ዩ። 

ለበዳ ኮቪድ-19 ቅድሚ ምእታዉ ሳሚያ ካብ ዓዶም ተፈናቒሎም ዝመጹ ሰባትን ስደተኛታትን ክትቅበል፡ ናይ ሰዓታት ጉዕዞ ድኻምን ድሕሪኡ እንታይ ይመጽእ ዝብል ሻቕሎትን ተጻዒንዋ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ ሰዓት 3፡00 ቅ. ቀ. ኣብ'ቲ ኣጋይሽ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትውሉ ተርሚናል መዓርፎ ነፈርቲ መልበርን ትርከብ።

"ኣነ 'ዝኾነ ሰብ እንተመጺኡን ኣብ'ዚ ቤተሰብ እንተዘይሃልይዎን፡ ንዓይ ደዉሉለይ' እየ ዝብል። ኣብ ታዝመንያ፡ ኣብ ሲድኒ፡ ኣብ ኩሉ ዝኸድኩዎ ቦታ ኣነ 'እነሀልኩም እዚ ቁጽሪ ስልከይ'ዩ፡ ሰብ ዘይብሉ ዝኾነ ሰብ፡ ኣነ ኣለኹዎም።' ይብሎም።

"ንሶም ይድውሉለይ፡ ኣነ ኸኣ ዘሊለ ይኸይድ።" 

 

ወይዘሪት ሳምያ ደቀንስትዮ ንምሕያልን ኣብ ኣውስትራልያ ስራሕ ክረኽባ ንምሕጋዘንን ሓያል ድሌት እዩ ዘለዋ፡ ኣብ ምዕራብ ከተማ መልበርን ከኣ ብፍሉይ ንዕኡ ኢላ ሓደ ማእከል ከፊታ።

"ንሕና ምስ ካልኦት ኣገልግሎታት፡ ምስ ብዙሓት ተደናገጽቲ ሰባት፡ ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለና፡ ዝኾነ ዘድልየና ነገር ክንገብር እንተደሊና ኸኣ ይፍጸመልና'ዩ፡" ክትብል ገሊጻ።

"እንተኾነ ግን እቲ ቀንዲ ዕላማን ሽቶን ሽቕለት ወይ ስራሕ ምርካብ'ዩ።

"ስራሕ እንተረኺብካ፡ ህይወትካ ብብዙሕ መዳያት ይቕየር እዩ።" ኢላ።

(ጸብጻብ ካብ ኤስቢኤስን ኤቢሲን)


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service