Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ዎሎንጎንግ 2022 ድሕሪ ምስታፎም ከይተመልሱ ዝተረፉ ተቐዳደምቲ ኤርትራ ስሞም ተረጋጊጹ

ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ዎሎንጎንግ፣ ኣውስትራልያ፣ ደሃዮም ጠፊኡ ተባሂሉ ክውረየሎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ።

Eritrea Cycling Team.jpg

Eritrean cycling team Credit: Illawarra Mercury/UCI

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ዩሲኣይ 2022 ኣብ ከተማ ዎሎንጎንግ፣ ካብ ዝተሳተፉ ተቐዳደምቲ ሽዱሽተ ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝተረፉን ዑቕባ ከምዝሓተቱን ተረጋጊጹ።

ኣብ ዓበይቲ ወይ ኤሊት ደቀንስትዮ ትምደብ ዳናይት ፍጹም ካብ’ቶም ንኤርትራ ዘይተመልሱ ኣባላት እታ ሓንቲ ጓለንስተይቲ’ያ።

እቶም ካልኦት ዝተረጋገጹ ኣርባዕተ ካልኦት ከኣ ኣባላት ትሕቲ 23 ዕድመ መንእሰያት ዝኾኑ ኣማኑኤል መሓሪ፣ ሳምሶን ሃብተን ዳንኤል በርሀን ከም’ኡ’ውን ኣባል ጁኒየር መንእሰያት ዮናስ ተኪኤን’ዮም።

ገለ ተቐዳደምቲ ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ካብ ከተማ ዎሎንጎንግ ወጺኦም ኣብ ኣውስትራልያ ንምትራፍ ተሰዊሮም ከምዝነበሩ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ’ቲ ውራይ ይውረ እንተነበረ’ኳ ንድሕነቶም ተባሂሉን መነ መን ምዃኖም ዘይተጻረየ ብምንባሩን ትሒም ትሒም ጥራይ ኮይኑ ጸኒሑ ኔሩ።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብ ኣውስትራልያውያን ማዕከናት ዜና ወይ መርበባት ሓበሬታ እንተዘይተቓለሐ’ኳ ብብዙሓት ተጣበቕቲ መሰላት ኤርትራውያንን ካልኦት መድያታትን ብወግዒ ስሞም ተዘርዚሩ ይቃላሕ ኣሎ።

ከምዝዝከር መበል 88 ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ተኻይዱ ብዓወት በልጅማዊ ረምኮ ኤቨነፖል ክዛዘም እንከሎ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብቢንያም ግርማይ ኣቢሎም መበል 54 ወጺኦም’ዮም።


1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now