መርገጺ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ባይመ እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ብክልቲኦም መንግስታት ክትግበር ከም ዝኾነ ኤምባሲ እታ ሃገር ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓሳብ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት መርገጺ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ባድመ ዝምልከቱ ሕቶታት ክቐርቡሉ ከም ዝቐነዩ ብምግላጽ ፤ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ነታ ዓንኬል ጎንጺ ዝኾነት ባድመ ንኤርትራ ብ2002 ዓ.ም ከም ዝተወሰነት ኣዘኻኺሩ ፤ ኣሜሪካ " ክልቲአን ሃገራት ኣገዳሲ ዝኾነ ዝተረፈ ጉዳያት ክውድኣ ትሓትት " ዝብል መርገጺ ኣውጺኡ ኣሎ።