ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

News

Source: Ethiopia News

 እቲ ሚንስተር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 40 ኣኼባ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃን መበል 35 መራሕቲ እታ ኣህጉርን ንምስታፍ እዮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ዘሎ።

  ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብኣስራርሓኡ ክትነቕፎ ዝጸንሐት ኤርትራ  ሎሚ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ትሳተፍ ኣላ።

 ሚኒስትረ ዑስማን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በጽሑ ሹም ፕሮቶኮል ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ፈይሰል ኣልይ ተቐቢልዎ።

 

መበል 40 ኣኼባ ባይቶ ፈጻሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ብኩናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ዝጀመረ ኮይኑ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራቱን ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ኣህጉርን ተረኺቦምሉ ኣለዉ።

 

ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሊቀመንበር ናይቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት

- ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ዝተሃስየ ቁጠባኣ ንምህናጽ 154 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ

-ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ይስራሕ ከም ዘሎ

- ንጥበብ፣ ባህልን ሓድግን ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝጀመረ፣

- ስርዓት ፋይናንስ እቲ ሕብረት ንምምሕያሽ ይጸዓር ከም ዘሎ

-ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽቦ ረድኤት ንምትካእ ኣባል ሃገራት ክፍሊተን ከሐይላ ይስራሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ

ኣብ ኣባል ናይቲ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ዝተኻየዱ ዕልዋታት መንግስቲ ህድኣት ናይቲ ኣህጉር ይዘርግ ከም ዘሎ ተዛሪም።

 

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባል ሃገራት ናይቲ ሕብረት ዝተኸስቱ ጎንጽታት ጠንቂ ሞት፣ ስደትን ጉስቅልናን ብዙሓት ሰባት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ፤ ሃገራት መምርሒ ሰላም ናይቲ ሕብረት ከተግብራ ፀዊዖም።

  እቲ ኣኼባ "ዓቕሚ ስርዓተ-ኣመጋግባ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብምድልዳል፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ልምዓት ምቅልጣፍ " ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

 ናይ 2020 ኣኼብኡ ኩናትን ጎንጽን ደው ብምባል ፤ ንልምዓት ኣፍሪቃ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር " ብዝብል ቴማ ዘሳለጠ ሕብረት ኣፍሪቃ ፤ ብተግባር ግንብ ፍሹል ፍጻመታቱ  እዮም ተንተንቲ ዝነቕፍዎ።

  ሓደ ካብ መግለጺታት ፍሹል ፖሊሲታቱ ኣብ መወዳእታ 2020 ዝተወልዐን ሕጂ ውን ዝቕጽል ዘሎን ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ምባል ሓላፍነቱ ዘይተዋጸአ ዝብል ይርከቦ።

 ኩናት ትግራይ ምስተጀመረ ተጻባዕቲ ሓይልታት ንምዝርራብ ሰለስተ ሽማግሌታት ልኢኹ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነጽገ ሕብረት ኣፍሪቃ ፤ ቀጺሉ ብስምምዕ ዝጸደቑ መስርሓት ሰላም ኣብ ስራሕ ክውዕሉ ብዘይምፍታኑ፣

 ኣብቲ ሕብረትን ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋሩ ብብሄሮም ተፈልዮም ክስጎጉ ብሱቕታ ምሕላፉ፣

 ሊቀመንበር ናይቲ ሕብረት ዝኾኑ ሙሳ ፋቃ መሃማት እቲ ዝተወለዐ ኩናት ጠጠው ክብል ኣብ ክንዲ ትካላዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ተረኺቦም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝውግኑ ምዝራቦም፣

 ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸሉ ዕጽዋታት፣ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ምግፋፍ ሰላማውያን ሰባት፣ ርግጸታት ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽን ካለኦትን ተረርቲ ነቐፌታታት ክዘንቡዎ ዘይረአ።

  ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ኣባላት ሃገራት ጉዳይ ኢድ ዘይምእታው ብዝብል ምኽንያት ስጉምትታት ክወስድ ከም ዘይወስድ ዝገልጽ እኳ እንተዀነ ፤ ነዚ መስርሕ ብድርብ መለክዒታት ኣብ ጥቕሚ ከውዕሎ ከም ዝጸንሐ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪቶርያ ተመራማሪ ዝኾኑ ክሪስ ቻንገው "ስለምንታይ’ዩ ሕብረት ኣፍሪቃ ኩናት ጎንጽን ደው ምባል ተሳኢንዎ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ትንታነኦም ካብ ዘቕረብዎ ምኽንያት ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ  ውሳነታቱ ዝወለዶ ከም ዝኾነ ይገልጹ።

ሸቶ 2063 ዝኾነ ምውሓስ ሰላም ጸጥታን ህድኣትን ኣፍሪቃ ተሓንጊጡ ዝንቀሳቐስ እቲ ሕብረት ኣብ ባይታ ከተግብሮ ከም ዘይረአ ይዛረቡ።

 ከተግብሮ ዝፈተኖ ከኣ ሌላን ጉሌላን ዝተመልኦ ከም ዝኾነ የብርሁ። ቅድሚ 10 ዓመታት ዝተመሓየሸ ኣብ ጉዳይ ኣባል ሃገራት ኢድ ኣእቲኻ ህድኣት ናይ ምፍጣር ስጉምቲ ብኣብነት ብምጥቃስ፣ እቲ ሕብረት ኣብ ደማዊ ኲናት ካሜሮንን ሊብያን ስቕታ ዝመረጸሉ ጌጉይ ኣካይዳ ብትሪ ይነቕፉ። ኣብ ትግራይ ውን ተመሳሳሊ ነቐፌታ ካብ ካለኦት ኣካላት ክቐርበሉ እዩ ዝረአ።

 ክሪስ ቻንገው ኣብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሊብያ ካብ ኣህጉር ወጻኢ ዝኾና ሃገራት ማእኸል ተዋስኦ ኩናት ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ዓረብ ኢመሬትስን ክትዓኑ ከላ ብስቕታ ምርኣዩ ውን ካልእ ኣምሪሮም ዝነቕፉሉ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ኩናት ትግራይ ውን ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ዓረብ ኢምሬትስ፣ ቱርኪ፣ ሩስያ፣ ቻይናን ኣሜሪካን ብዝተፈላለየ መገዲ ዘካይድኦ ዘለዋ ዝሑልን ደማውን ኩናት ብስቕታ ምርኣዩ ካብ ነቐፌታ ኣይደሓነን።

  ኣብ ሱዳን ብ2019 ኣብ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ፤ እቲ ሕብረት ሱዳን ነቲ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ከም ዘይቕበሎ ብምግለጽ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ብምስጓግ ዝወሰዶ  ስጉምቲ ይንእዱ።

መሊሱ ኸኣ ኣብ ግብጺ ብ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ፈለማ ኣጊዱ ፤ ቁሩብ ጸኒሑ ግን ነቶም ብዕልዋ መንግስቲ ዝመጹ ኣልሲሲ ከም መራሒ ምቕባሉ ኣንጻር መትከሉ ጠጠው ዝበለሉ ምንባሩ ይነቕፉ።

  ፤ ዝገደደ ድማ ኣብ ዚምባብወ መዝነት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ከብቅዕ ንዝገበረ ዕልዋ መንግስቲ ብስቕታ ምሕላፉ ንካልኦት ተመሳሳሊ ዕልዋ መንግስቲ ዘካይዱ ኣካል ኣፍደገ ዝኸፍት ድርብ መለክዒ ከም ዝኾነ እዮም ዝነቕፉ።

  ከም ሳዕቤኑ ከኣ  ኣብ 2021 ጥራሕ ኣባላቱ ኣብ ዝኾና ሃገራት  6 ዓይነት ፈተነታትን ዒላምኦም ዝሃረሙን ዕልዋ  መንግስታት ተኻይዶም ኣለዉ።

 ብ2021 ኣብ ማሊ፣ቻድ፣ ጊኒን ሱዳንን ዒላምኦም ዝወቕዑ ዒላማቶም ዝወቕዑ ኣብ ሱዳንን ካልኣይ ዝተፈተነን ኣብ ኒጀርን ዝተኻየዱ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ዕላምኦም ከይወቕዐ ዝፈሸሉ እዮም።

ኣብዚ ካልኣይ ወርሒ ረጊጹ ዘሎ ዓመት እውን ዛጊት ክልተ ዕልዋ መንግስታት ተኻይዶም እቲ ሓደ ዒላምኡ ክወቅዕ ከሎ እቲ ካልኣይ ፈሺሉ ኣሎ።

 ካብቶም ኣብዚ ዓመት ዝተኻዱ ክልተ ዕልዋታት መንግስቲ እቲ ናይ ቡርኪናፋሶ ዒላምኡ ዝወቕዐ ኮይኑ ፤ ናይ ጊኒ ቢሻኦ ግን ፈሺሉ እዩ።

 ከም ፀብጻብ ቢቢሲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ 1950ታት ናብዚ 200 ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዶም ዳርጋ ፍርቂ ዕላምኦም ዝወቕዑ ነይሮም።

 ሱዳን ካብቶም 200 ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየዱ ዕልዋ መንግስታት እቶም 17 ጊዜ ዝተኻደላን 6 ካብኣቶም ዒላምኦም ዝወቕዑ ዕልዋ መንግስቲ ዘተኣናደት ሃገር ኮይና ኣብ ቅድሚ ትርከብ።

 ብሩንዲ 11 ጊዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደላ ኮይና ኣብ ካልኣይ ትስርዓዕ።

ቡርኪናፋሶ ካብ 9 ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ሓንቲ ጊዜ ጥራሕ ዝፈሸለታ ሃገር እያ።

 ሕብረት ኣፍሪቃ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ውን እንተዀነ ኣብ ሃገረ ጒኒ-ቢሳው ብዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ከምዝበሉዎ፡ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ዘካየዱ ሰባት፡ ናብ ቤተመንግስቲ ብምኻድ ንዕኡን ካቢነ ሚኒስተራቱን ክቐትልዎም ከምዝፈተኑ ተዛሪቦም።

  

ፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ፤ ነዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከፍሽሉ ዝጽዕሩ ዘለዉ ፤  ሕብረቶም ኩናትን ጎንጽን ዘይብላ ኣፍሪቃ ንምፍጣር ብ2020 ዝተኣትወ መብጽዓ ከይሰመረ ከም ዝተረፈ መረጋገጺ እዩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service