ካብ መንግስታዊ ዓፈና ዘምለጣ ኤርትራውያን ኣዋልድ ቤት ፍርዲ ኬንያ “ዓድኽን ኪዳ” ብምባል ውሳነ ሂብወን ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስታንዳርድሜድያ ናይ ኬንያ ዝወጸ ጸብጻብ ሓቢሩ። ልዕሊ 22 ዝኾና ካብ መንግስታዊ ዓፈና ዘምለጣ ኤርትራውያን ኣዋልድ ብሓደ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሚሊማኒ ናብ ዓደን ክምለሳ ተኣዚዘን። እተን ኣዋልድ ግንቦት 15 ሰዓት 9 ቅ. ቀ. ኣብ ክልተ መካይን ተጻዒነን ኣብ ሓደ መንገዲ ኬንያ፡ ቲካ ሱፐር ሃይወይ፡ ኣብ ጉዕዞ ናብ ካልእ ሃገር እንከለዋ ብዘይሕጊ ኣብ ኬንያ ኣቲኽን ተባሂለን ተታሒዘን። ኩለን ከኣ በደለን ኣሚነን ተቐቢለን፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ’ውን ብዋሕስ ክልቀቓ ተቓውሞኡ ኣየስመዐን። ጠበቓ እተን ኣዋልድ፡ ሞሰስ ኣንጋያ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ መከላኸሊ መጎተ እተን ኣዋልድ ኣብ’ታ ሃገር ስደተኛታት ከምዝኾናን በዚ መሰረት ከኣ ዝጠሓሰኦ ሕጊ ከምዘየለን ኣቕሪቡ። “ክቡር ዳኛ፡ ኤርትራ እዘን ንኣሽቱ ኣዋልድ ኣብ ልዕሊአን ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመላ ናብ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብሓይሊ ክጽንበራ ዝግደዳላ ተጻባኢት/ተጻብኦ ዘለዋ ሃገር’ያ።” ክብል ድሕሪ ምግላጽ “እዘን ኣዋልድ ከም ዘኣንፈታለይ ንወተሃደራት ብዘይድሌተን ወይ ብሓይሊ ክምርዓዋ ከምዝግደዳ’ዩ፡ እዘን ንኣሽቱ ኣዋልድ ዘማዕድዎ መጻኢ ህይወት ኣለወን፡ ናይ ስደተኛታት መስርሐን መታን ክውድኣለን ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስደደን።” ክብል ብምውሳኽ ነቲ ቤትፍርዲ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። ጠበቓ ኣንጋያ፡ እተን ኣዋልድ ኣብ ሃገረን ዘሎ ስርዓት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዘይግድሶ ስለዝኾነ ክንጭቆን/ክንሳቐ/ክንብደል ኢና ዝብል ስግኣት ኣለወን ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ማእከላይ ዳኛ ቤት ፍርዲ ሚሊማኒ፡ ኬኔዲ ቸርዮት፡ ናብ ሃገረን ክጥረዛ ኣለወን ኢሉ ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፈ እተን ኣዋልድ ብኽያት ስዒርወን ብዓውታ ወጪጨን። “ኣነ ምስ’ቶም እቲ ጠበቓ ዘቕረቦም መርትዖታት/መጎተታት ኣይሰማማዕን’የ፡ እቶም ምኽንያታት ዝቐረቡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት (UNHCR) ክሳብ ዝምልከቶ ዝገብሩ ድልዱላት ኣይኮኑን። ብኣሰጋገርቲ ናብ’ዛ ሃገር ይኣትዋ’የን ኔረን ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ።” ክብል ከምዝደምደመ እቲ ስታንዳርድሜድያ ናይ ኬንያ ኣብ ገጻቱ ዘስፈሮ ጸብጻብ ደምዲሙ።

