SKIP TO MAIN CONTENT

ትካል ስለያ ሞሳድ ናይ እስራኤል ዝርከብዎም ዓበይቲ ትካላት ብድሕሪ’ቲ ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ መንእሰያት ከም ዘለዉ ኤርትራ ከሲሳ።

ብዛዕባቲ ብቐዳም 2 መስከረም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝምልከት “ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ!” ብዝብል ኣርእስቲ ብሚ’ሪ ዜናኡ ኣቢሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ብዛዕባቲ ብቐዳም 2 መስከረም ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝምልከት “ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ!” ብዝብል ኣርእስቲ ብሚ’ሪ ዜናኡ ኣቢሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

 

ነቲ፡ ሃገራውን ባህላውን ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምዝራግ፣ ነቲ መለለዪ ኤርትራውያን ዝኾነ ስልጡን ውዳበ፡ ሃገራውን መንነታውን ሓበን ዝማእገሩ ባህልን ክብርታትን ንምድዋን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምስሳይ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ጎነጻዊ ናዕቢ ክተባባዕ ተራእዩ። ኢሉ ነቲ ዝግበር ዘሎ ናዕቢ መንእሰያት ኮኒኑ። ን ትካል ስለያ ሞሳድ ናይ እስራኤል ዝርከብዎም ዓበይቲ ትካላት ብድሕሪ’ቲ ዝግበር ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓዉሞታት መንእሰያት ከሲሱ። ናይዚ ምኽንያት “ዘይጸዓድ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ” ከም ዘሰንበዶም ምዃኑ እዩ እቲ ናይ ኤርትራ መግለጺ ዘቕርብ።

ኣብ መጻኢ ኩሉ ምእንቲ ክፈልጦ፡ ብዛዕባ “ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝውረ ሓሶታት” ዘነጽር ዝርዝር መብርሂታት ከም ዘስዕብ እቲ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ብ 05 መስከረም 2023 ዘቕረቦ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ኣብ እዋን ናዕቢ "ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ምሓዙ ተጠርጢሩ ብካሜራ ዝተለለየ" ወዲ 41 ዓመት ነባሪ እታ ከተማን፡ ካልኦት 7 ሰባትን ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ካልኦት ሰባት’ውን ይእሰሩ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልጻ ኣለዋ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now